ዕለት: 03/12/2017 ዓም
ናይ ጨረታ ምልክታ
ትካልና ደስታ ኢንተርናሽናል ሆቴል ኣብ ዝሰርሖ ዘሎ ደረጀኡ ዝሓለወ ናይ ደስታ ኢንተርናሽናል ሆቴል ናይ ምስፍሕፋሕ ህንፃ ስራሕቲ ብዓል ሽዱሽተ (6) ደብሪን ሓደ ቤዝመንትን(B+G+6 Floor Building) ናይ ኤሌክትሪክን ሳኒታሪን ሰፋሕቲ ስራሕቲ(Electrical & Sanitary Utilities Installation Works) ብዘለዎ ናይ ህንፃ ንድፍን ዝርዝር ስራሕትን(as per Design & Specification)ብፅፈትን ፅሬትን ብዝተውዓዓሎ ናይ ግዜ ገደብ ሰሪሑ ከረክብ ዝክእል ተጫራታይ ኣብ ዘለዋ ሓሙሽተ ማዕልታት ካብ ዕለት 03/120/17ዓም ክሳብ 07/12/17ዓም ነዞም ዝስዕቡ ረቋሒታት ከማልእ ዝክእልኣብ ቢሮና ደስታ ቢዝነስ ግሩፕ ኣብ ቀዳማይ ደብሪ ቢሮ ቀፅሪ 05 ብኣካል ወይም ህጋዊ ውክልና ብዘለዎ ኣካል መፂኡ ማህተም ዘለዎ ብዝተዓሸገ ፖሰታ ተክኒካል ብቅዓቱ (Technical proposal) ኣታዊ ክገብር ኣለዎ፡፡
➢ ተጫረቲ ኣብ ጨረታ ንምስታፍ እዞም ዝስዕቡ ረቋሕታት ከማልኡ ኣለዎም።
1. ናይ 2017 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ፣ብቕዓት መረጋገፂን መቕረባይነትን ሰርተፊኬት
2. ናይ 2017 ብቕዓት መረጋገፂ ሰርተፊኬት/ ደረጃ ስራሕ ፍቓድ/ መረዳእታ ከቕርብ ዝኽእል።
3. ናይ ቫት(VAT)ምዝገባ መረቐት ምስክር ዘለዎ።
4. ሕጋዊ መለለዪ ቁጽሪ(Tin NO.)ዘለዎ
5. ናይ 2017 ዓም ናይ እቶት ክሊራንስ ከቅርብ
6. ብተመሳሳሊ ስራሕ ዝሰርሖም ስራሕቲ ምስክር ወረቀት ከቅርብ ዝክእል
7. ብዛዕባ ዝሰርሖም ስራሕቲ ሓፂር ቃለ መሕትት (Interview) ክገብር ዝክእል
8. ብቅልጡፍ ናብ ስራሕ ክኣቱ ዝክእል
9. ናብ ስራሕ ምስ ኣተወ ሓፂር ስራሕ ፕሮፖዛል ከቅርብ ዝክእል(work schedule & Methodology)
10. ኩሎም ተጫረቲ ቴክኒካል ብቅዓት ዝሓዘ ጨረታ ሰነዶም ኩሎም ኣብ ዘለውሉ ንዕለት 08/12/207ዓም ንጉሆ ልክዕ ስዓት 4፡00 ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከብ ዋና ቤት ፅሕፈት ደስታ ቢዝነስ ግሩፕ ግልባጥ ምምሕዳር ክ/ከተማ ዓዲ ሓቂ ብምምፃእ ከክፍቱ አለዎም።
11. ተጫረቲ ኣብቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ዝቐርቡ ቅጥዒ ብትኸክል መሊኦም ኣብ ሕድሕድ ገፅ እቲ ዶክመንት ፈሪሞምን ሓሞምን ከቕርቡ ይግባእ።ኣብቲ ናይ ጨረታ ቅጥዒ ስርዝ ድልዝ እንተሃልይዎ ተቐባልነት የብሉን።
12. ትካልና ካሊእ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ድማ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰለ ዝተሓለወ እዩ።
ንዝበለፀ ሓበሬታ ስ.ቁ 0711602112/0711120242 ምድዋል ይከኣል
ድሕሪት