ምልክታ ግልፂ ጨረታ
ማሕበር ዳናግል ደቂ ፍቕሪ መተሓባበሪ ቢሮ ክልል ትግራይ ኣብ ትሕቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ልብኻ ዓዲ ግራት ንዝተፈላለዩ ናይ ሕብረተሰብ ክፋላት ኣብ ትምህርቲ፤ ጥዕናን ልምዓትን ካልኦት ማሕበራዊ ፀገማትን ኣገልግሎትን ሓገዝን እናበርከተ ዝርከብ ገባሪ ሰናይ ትካል እዩ። ብፍላይ ድማ ኣብ ክልልና ምስ ት/ቲ ቢሮ ብሓባር ብምኻን ፍርያት ሃገር ብዝኾነ ምግቢ ኣብ መዓልቲ ሓደ ግዜ ተምሃራይ ክምግብ እናገበረ ዝርከብ ትካል እዩ። ብተመሳሰሊ ንዝተፈላለዩ መራሕቲ ስድራ ናይ ምግቢ እታወት እናባዕሓ ዝፀንሖን ዘሎን ትካል እዩ።
በዚ መሰረት ድማ ትካልና ንተምሃሮን ካልኦት ክፋል ማሕበረሰብን ግልጋሎት እናሃቡ ዝነበሩ ናይ ኤሌክትሮኒክስ ንብረታት( ዴስክቶፕ ኮምፒዩፐር, ፕሪንተርን UPS) ዝተፈላለዩ ዓይነታት ብረትን ብግልፂ ጨረታ ኣሪቱ ክሸይጥ ስለዝደለየ
1. ዝኾነ ሰብ ክረት ዝደሊ ዝርዝር መምርሒ ተጫረቲ ዝሓዘ ጨረታ ሰነድ ካብ ዕለት 15/11/2017 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 21 /11/2017 ዓ/ም ኣብ ዘሎ ግዜ ካብ ቤት ፅሕፈት ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቕሪ መተሓባበሪ ትግራይ ጥቓ ዓይኒ ሕክምና ኣብ ዝርከብ ቤት ፅሕፈት ብኣካል ብምምፃእ ክትወስዱ ትኽእሉ።
2. እቲ ጨረታ ዕለት 21/11/2017 ዓ.ም ስዓት 8:30 (local time) ተዓፅዩ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ስዓት 9:00 (ocal time) ኣብ ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቕሪ ትግራይ መተሓባበሪ ቤት ፅሕፈት ይኽፈት ::
ድሕሪት