ንኻልአይ ግዜ ዝወፀ ምልክታ ጨረታ
ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቕሑት ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለ ዝደለየ ክትጫረቱ እትደልዩ ሕጋውያን ትካላት በዚ ሲዒቡ ተዘርዚሩ ዘሎ ረቑሓታት መሰረት ንክትወዳደሩ ይዕድም፡፡
1. ተጫረቲ ናይ መቕረባይ ፍቓድ ናይ ግብሪ ከፋላይ መፍለይ ቁፅሪTM ናይ 2017 ዓ.ም ሕጋዊ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድን ናይ ቫት ተመዝጋቢ ምዃኖም ከምኡ እወ መጋቢት ዲክላረሽን ከቕርቡ ዝኽእሉ፤
2. ተጫረቲ ካብ ዘቕረብዎ ጠቕላላ ዋጋ ካብ 2% ዘይነኣሰ ናይ ጨረታ መኽበሪ ካብ ፋይናንሻል ትካላት ሕጋውነቱ ዝተረጋገፀ CPO ብፖስታ ዓሺጎም ከቕርቡ ይግባእ፤
3. ዝርዝር ዝሓዘ ሰነድ ካብ ዕለት 05/11/17 ዓ.ም ጀሚሩ ካብ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ጨንፈር ሓወልቲ ብር 500/ ሓሙሽተ ሚኢቲ ብር/ ጥራሕ ብምኽፋል ኣብ ስራሕ ሰዓት ክትወስዱ ትኽእሉ፤
4. ናይ ጨረታ መኽበሪ በቲ ኣብ ተራ ቑፅሪ 2 ዝተገለፀ መሰረት ዘየቕረበ ተጫራቲ ካብ ጨረታ ዝስረዝ ምዃኑ ክፍለጥ ይግባእ፤
5. ናይ ጨረታ ውፅኢት ከይተፈለጠ ንባዕሉ ካብ ጨረታ ዘግለለ ተወዳዳሪ ንጨረታ መኸበሪ ዘትሐዞ ገንዘብ ናብ ትካል ኣታዊ ከምዝግበ ክፈልጥ ይግባእ፤
6. ናይ ጨረታ ሰነድ ነዚ ጨረታ ተባሂሉ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቕ ጨረታ ኣታዊ ዝግበረሉ ካብ ዕለት 05/11/2017 ዓ.ም እስካብ 17/11/2017 ዓ.ም ሰዓት 3፡30 ናይ ንግሆ ኣብ ዘሎ ግዜ ይኸውን፤
7. ጨረታ ዕለት 17/11/2017 ዓ.ም ሰዓት 3፡30 ናይ ንግሆ ናይ ጨረታ ሳንዱቕ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4፡00 ናይ ንግሆ ተጫረቲ ወይ ሕጋውያን ወኪላቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ዋና ቢሮ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ኣብ 4ይ ደብሪ ክፍሊ ፋይናንስ ይኽፈት፡፡ ተጫረቲ ወይ ሕጋውያን ወኪላት ብኣካል እንተዘይተረኸቡ እውን ሕጋውነቱ እስካብ ዝተረጋገፀ ናይ ጨረታ ሰነድ ኩሉ ዝኸፈት ይኸውን፤
8. ናይ ጨረታ ሰዓራይ ውፅኢት ምስተፈለጠ ካብ ጠቕላላ ዋጋ 10% ናይ ስራሕ ኣፈፃፅማ ውሕስና /unconditional performance bond/ ከትሕዝ ዝኽእል፤
9. ሰዓሪ ጨረታ ውፅኢት ጨረታ ተፈሊጡ ዘለዉ 5 ተኸታተልቲ መዓልትታ ውሽጢ ውዕሊ ክኣስር ይግባእ፤ ሰዓሪ ምዃኑ ካብ ዝተነገረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ናብ ክፍሊ ዕደጋን ንብረት ምምሕድርን ቀሪቡ
10. በቲ ኣብ ተራ ቁፅሪ 9 ዝተገለፀ መሰረት ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ተኸታታሊ መዓልትታት ናብ ትካል ቀሪቡ ውዕሊ ዘይኣሰረ ሰዓሪ ጨረታ ንጨረታ መኽበሪ ዘትሐዞ 2% ናብ ትካል ኣታዊ ከምዝግበር ክፍለጥ ይግባእ፤
11. ትካል ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነዚ ረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፤
12. ተወሳኺ ሓበሬታ እንተተደልዩ ኣብ ዋና ቢሮ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ሳልሳይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 307 ብኣካል ብምቕራብ ምሕታት ይካኣል እዩ፡፡
ድሕሪት