ምልክታ ጨረታ
ሓላ/ዝተ/ መሰረታዊ ማ/ሕ/ስ ዕቋርን ልቓሕን ፋና መናእሰይ ብኣቆፃፅራ ፈረንጂ ካብ July 01-2024 ክሳብ ዕለት Jun 30- 2025 (ናይ 2017 በጀት ዓመት) ዘሎ ምንቅስቃስ ሒሳብ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ኦዲት ከግብር ስለዝደለየ፤ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቛሒታት እተማልኡ ውልቀን ትካላትን ኦዲተራት ሰነድ ጨረታ ካብ ዋና ቤት ፅሕፈትና ብምውሳድ ንኽትወዳደሩ ንዕድም።
ተደለይቲ ረቛሒታት
1. ኦዲት ንምክያድ ካብ ዝምልከቶ ኣካል ምስክር ወረቐት ብቅዓት መረጋገፂ ሞያ ብርኪ ሓደን ዝተሓደሰ ፍቓድ ንግዲ 2017 ዓ/ምን ከቅርብ ዝኽእል
2. ብኢትዮጵያ ኣተሓሕዛ ሒሳብን ኦዲትን ቦርድ (AAABE) ዝተሓ መስርሒ ፍቓድ ዘለዎን ብonline ክረጋገፅ ዝኸእልን።
3. ኣብ ትካላት ፋይናንስ ኦዲት ስራሕቲ ሰሪሑ ከም ዝነበረ መረዳእታ ከቅርብ ዝኸእልን ብፍላይ ኣብ ማሕበር ሕብረት ስራሕ 3 ግዜን ልዕሊኡን ልምዲ ስራሕ ኦዲት፣ ACCAን CPAን ዘለዎም ኦዲተራት ቀዳምነት ይወሃቦም።
4. ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲ ስራሕ፣ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቁፅሪ Tin No ምዝገባ ሰርቲፊኬት ቫት ወይ (TOT)፡ ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ቫት /TOT/ ዲክለር ዝገበረሉን ናይ ኩሎም መረዳእታ ሰነድ ከቕርብ ዝኽእልን።
5. ሒሳብ ሰነድ ኦዲት ዝካየደሉ ቦታ ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ፋና መናእሰይ ምዃኑ ፈሊጡ ዝሳተፍ።
6. መኸበሪ ጨረታ ብሽም ሓላ/ዝተ/መ/ማ/ሕ/ስ ዕቋርን ልቓሕን ፋና መናእሰይ ብር 20,000 (ዒስራ ሽሕ) ብር ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ (cpo)፤ብጥረ-ገንዘብ ወይ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ባንኪ ውሕስና ከትሕዙ ዝኽእሉ።
7. ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ምልክታ ጨረታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት ጀሚሩ ንተኸታታሊ 10 መዓልቲ ኣብ ሰዓት ስራሕ ዘይምለስ ብር 300 (ሰለስተ ሚኢት ብር) ብምኸፋል ምውሳድ ይኸእሉ።
8. ሰነድ ጨረታ ፋይናንሻልን ቴክኒካልን ብዝግባእ መሊኦም ምስ ደጋፊ መረዳእተኦም ፋይናንሻል ዋና (ኦርጅናል)ን ኮፒን ነንበይኑ ኣብ ክልተ ፖስታ ቴክኒካል ድማ ዋና (ኦርጅናል)ን ኮፒን ነንበይኑ ኣብ ክልተ ፖስታ ተዓሺጎም ኣብ ሕድ ሕዱ ፖስታ ሽም ተጫራቲ፣ ኣድራሻ፣ ፊርማ፣ ኦርጅናልን ኮፒን ተባሂሉ ዝተፀሓፈሉ ማህተምን ፊርማን ዓሪፍዎ ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ዝተዳለወ ሳንዱቕ ክሳብ ዕለት 10/11/2017 ዓ/ም ሰዓት 9:00 ከእትው ኣለዎም፡፡
9. ጨረታ ዕለት 10/11/2017 ዓ/ም ሰዓት 9:00 ተዓፅዩ በዚ ዕለት ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ኣዳራሽ ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ሰዓት 9:30 ይኽፈት
10. ተጫረቲ ኣብ ሕድ ሕድ ገፅ ሰነድ ጨረታ ፊርማ ዝምልከቶ ኣካልን ማህተም ተጫራቲ ድርጅትን ከዕርፍሉ ይግባእ።
11. ከይዲ ጨረታ ንምዝባዕ ዝፍትኑ ተጫረቲ ካብ ጨረታ ብምስራዝ ብተወሳኺ ናብ ቤት ፅሕፈት ዋና ኦዲተር ክልል ትግራይን AAABEን ፀብፃብ ይቐርበሎም።
12. ተጫራታይ ዘቕርቦ ኦዲት ፀብፃብ ብቛንቛ ትግርኛን እንግሊዚኛን ምዃኑ ፈሊጡ ክወዳደር ኣለዎ።
13. ማሕበርና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ጨረታ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።
14. ኣድራሻና ኣብ ህንፃ መንፈሳዊ ኮለጅ ካሳቴ ብርሃን ካልኣይ ደብሪ ንርከብ።
15. ንዝበለፀ መብርሂ ኣብ ስራሕ ሰዓት ናብ ቤት ፅሕፈትና ብኣካል ቀሪብካ ምሕታት ይከኣል። .
ድሕሪት