ዕለት 23/01/2017ዓ/ም
ደ/ቁ ራዕል / 119 /17
ናይ ኦዲት ጨረታ ምልክታ
ራእይ ዕቋርን ልቓሕን ሕብረት ስራሕ ማሕበርሓላፍነቱ ዝተወሰነ ናይ 2017 ዓ.ም በጀት ዓመት ናይ 6ተ ወርሒ ጥራሕ ብናይ ደገ ኦዲት ፋይናንስ ስራሕቲ ኦዲት ከግብር (ክምርምር) ስለዝደለና ካብዚ ቀፃሊ ዘሎ መመዘኒ ረቋሒታት እተማልኡ ክትወዳደሩ ንዕድም።
ተጫረቲ ዘማልእዎ ረቋሒታት
1. ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ መፍለይ ቁፅሪ (Tin N0) ዘለዎ።
2. ናይ ዘመኑ ግብሪ ማለት ናይ 2016 ዓ.ም ዓመታዊ ግብሪ ዝከፈለ።
3. ፍቃድ ኦዲት ዘለዎ/ዋ ኮይኑ ናይ ኦዲት ብቕዓት መረጋገፂ ዘቕርብ።
4. ብተወሳኪ ኣብ ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ብፍላይ ድማ ዕቋርን ልቓሕ ማሕበራት 2 ጊዜን ልዕሊኡን ኦዲት ከምዝገበረ ።
5. ውዕሊ ካብ ዝእሰረሉ ኣብ ውሽጢ 6 ናይ ስራሕ መዓልቲ ኦዲት ኣጠናቂቁ ከቕርብ ዝክእል።
6. ጨረታ ዝፀንሓሉ ካብ ዝወፀሉ ዕለት 27/10/2017ዓ.ም ጀሚሩ ክሳብ 30/10/2017 ቀዳም ሓዊሱ ይኸውን።
7. ኦዲት ዝግበሩ ሰነዳት
| ታ/ቁ | ዝርዝር | መዐቀኒ | በዝሒ | ቦክስ ፋይል | መብርሂ |
|---|---|---|---|---|---|
| 1. | CRV | ቅጠል /ብንፅል/ | 6 | 1 | |
| 2. | CPV | ፓድ | 1.5 | 2 | |
| 3. | JV | ቅጠል /ብንፅል/ | 25 | 1 |
8. ጨረታ ሰነድ ብናይ ባዕሎም መልኦም ብዝተዓሸገ ፖስታ ናብ ቤት ፅሕፈት የቅርቡ
9. ማሕበርና ዝሓሽ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብምሉእ ይኹን ብክፋል ናይምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።
ኣድራሻና-ካብ ኣደባባይ ሓውዜን ናብ እንሳማርያም ግጉሳ ዝወስድ 1ይ ደብሪ ባንክ ወጋገን ስ/ቁ 0973170377/0973170477
ድሕሪት