ጨረታ ምልክታ
ማሕበራዊ ረድኤት ትግራይ ማረት/ ነዞም ዝስዕቡ ናይ ፅህፈት መሳርሒ ኣቁሑ (Stationery Materials) ብጨረታ አወዳዲራ ንምዕዳግ ትደሊ፡፡ ስለዚ ክትረቱ እትደልዩ ተጫረቲ በዚ ቀፂሉ ተዘርዚሩ ዘሎ መሰረት ክትወዳደሩ እትኽእሉ ምኻንኹም ንሕብር።
1. ናይ 2017 ዓ.ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎም ተጫረቲ ካብ ቢሮ ቁፅሪ 607 /200.00/ ቅርሺ ከፊሎም ናይ ጨረታ ዶክመንት ክውስዱ ይኽእሉ፡፡
2. ተጫረቲ ንግዲ ፍቓድ ዝተመዝገብሉ ናይ ቫት ሴርቲፍኬትን፣ ቲን ቁፅረ፣ ዝተመዝገብኩም ምካንኩም መረጋገፂ ሙሉእ ደኩመት ከቕርቡ ኣለዎም፡፡
3. ተጫረቲ ካብ ዘቕረብዎ ጠቕላላ ዋጋ 2% በክልተ ካብ ሚኢቲ/ ናይ ጨረታ ውሕስና መኽበሪ ሕጋዊነቱ ብዝተረጋገፀ ሲፒኦ ጥራሕ ከትሕዙ ኣለዎም።
4. ተጫረቲ ዝጫረተሉ ሰነድ ብዝተኣሸገ ፖስታ እዚ ጨረታ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ማለት 19/10/2017 ዓ.ም ጀሚሩ ክሳብ 01/11/2017 ዓ.ም እዮ ፡፡ እቲ ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕ ለ ት 01/11/2017 ዓ.ም ል ክ ዕ ሰዓት / 5፡00 / ናይ ንጉሆ ይከዉን :: ስለዚ ናብ ማረት ቤት ፅሕፈት ኩሉ ጊዜ አብ ስራሕ ስዓት እናመፁ ሰነድ ጨረታኦም ክገዝኡ ይኽእሉ።
5. ጨረታ ዝኽፈተሉ ዕለት ድማ 01/11/2017 ዓ.ም ሰዓት 9፡00 አብ ማረት ቤት ፅሕፈት ተጫረቲ ወይከዓ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዝተረኸብሉ ይክፈት፡፡ ከምኡዉን ዶክመንት እንድሕር ተማሊኡ ንከፍት ምካኑ ንሕብር ::
6. እቲ ዝተዉሃበ በዝሒ ግፅ ናይ ጨረታ ሰነድ ገንፂልካ ምትራፍ ኣይፍቀድን እቲ ዝመላእኩምዎ ጨረታ ሰነድ
ቁቡል ከምዘይንገብሮ ነፍልጥ፡፡
7. ሕድ ሕድ ገፅ ማሕተም ዕለት ፊርማን ክህልዎ አለዎ ከምዐኡ ድማ ናይ ጨረታ ሰነድ ዝትመልእዎ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ዘለዎ እንተኮይኑ ተቀባልነት የብሉን።
8. ኣብቲ ጨረታ ዝተጠቀሰ ሞዴል (Specification) ምስራዝ ኣይካኣልን።
9. እቲ መእዘዚ ሰነድ ድማ ከም ዉዕሊ ኮይኑ የገልግል።
10. እቲ ድርጅት ዝሓሸ ኣማራፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ኾነ ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡
ድሕሪት