ፕሮፈርማ ቁፅሪ-10 2017 ዓ/ም
❖ ቢሮ ትራንስፖርትን መራኸብን ክልል ትግራይ ንቢሮ ግልጋሎት ዝውዕል 1. ሞባይል ሳምሲንግ ጋላክሲ ኤ-16 ካብ ሕጋውያን ነጋዶ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለ ዝደሊ ኣብዚ ፕሮፈርማ ክትወዳደሩ ትደልዩ ዝምልከተኩም ሕጋውያን ነጋዶ በቲ ኣብ ታሕቲ ዝተገለፀ ረቛሒ መሰረት ንክትወዳደሩ ይዕድም።
* ናይ ዘመነ 2017 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለኩም ፣ምስቲ ንግዲ ፍቓድ ዝመሳሰል ናይ ግብሪ ከፋላይነት መለለይ ቑፅሪ ሰርተፊኬት (Tin) ዘለኩም ፣ዝተሓደሰ መቕረባይነት ሰርተፊኬት ዘለኩም።
❖ ናይዚ ፕሮፈርማ ሰዓርቲ እንተኾይንኩም ናይ ዝሰዓርኩምዎ ንብረት ካብ ዝግለፀልኩም እዋን ጀሚርኩም ኣብ ውሽጢ 51 መዓልቲ ንብረት ክተቅርቡ እትኽእሉ።
❖ ነጋዶ ናይ መወዳደሪ ደኩሜንትኹምን ናይቲ ዋጋ መምልኢ ቅጥዒን ናይ ትካልኩም ማህተምን ፌርማን ዘለዎ ኮይኑ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ብግልፂ ዝርአ ብዝተዓሸገ ኢንቨሎፕ /ፖስታ/ ንቢሮ ትራንስፖርትን መራኸብን ክልል ትግራይ ዳይሬክቶሬት ዳይሬክተር ዕደጋ፣ፋይናንስን ንብረት ምም/ርን ቢሮ ቑፅሪ 171 ካብ ዕለት 12/10/2017 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 16/10/2017 ዓ/ም ሰዓት 4፡00 ኣብ ዘሎ ግዜ ክተቕርቡ እትኽእሉ።
❖ እቲ ፕሮፈርማ ሰዓት 4፡00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት 16/10/2017 ዓ/ም ሰዓት 4፡30 ኣብቲ ዝተገለፀ ቢሮ 3ይ ደብሪ ቑፅሪ 171 ስለ ዝኸፈት መፂእም ክትሳተፉ ትኽእሉ።
❖ ናይቲ ዝሰዓርኩምዎ ግልጋሎት ዋጋ /እንተኾይኑ ቫት ዝተመዝገብኩም ቫት ምዃኑ ክፈልጥ ይግባእ።
ልዕሊ 20,000.00/ዒስራ ሽሕ ብር 7.5 % ኣብቲ ቢሮ ተቖሪፁ ዝተርፍፉ
❖ ተወዳደርቲ ዘቕረብዎ መወዳደሪ ከም ውዕሊ ኮይኑ ከም ዘገልግል ክፈልጥዎ ይግባእ።
❖ እቲ ፕሮፈረርማ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀነሐሉ ግዜ ፕርፎርማ ካብ ዝኽፈተሉ ዕለት ን7ተ ንተኸታታሊ ናይ ስራሕ መዓልቲ ይኸዉዕ።
❖ ቢሮና ነቲ ፕሮፈርማ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ኮነ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉውእዩ።
ንዝበለፀ ሓበሬታ ብቴሌፎን ቑፅሪ +251914222506/+251914759607 ደዊልኩም ሓበሬታ ክትረኽቡ ትኽእሉ ምዃንኩም ንሕብር ፡፡
ኣብ ቢሮ ትራንስፖርትን መራኸብን ትግራይ
ድሕሪት