1 በቲ ዓወድ ስራሕ ናይ 2017 ዓም ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ ዘቅርብ
2 ናይ 2017 ዓም ፍቃድ ንግዲ ዘይሐደሱ ካብቲ ዉድድር ወፃኢ ይኮኑ
3 ተጫረቲ ፅሬቱ ዝሐለወ ስራሕቲ ዝፍለጡ ምካኖም መርግጋፅ ቅድም ኢሊ ፅሬት ካብ ዝሃብሎም ትካላት ድጋፍ ደብዳቤ ከቅርቡ ዝክእሉ
4ተጫረቲ ዘቅርብዎ ዋጋ ቫት ዝሐወሰ ወይ ድማ ዝይሐወሰ ምካኑ ብግልፂ ክቅመጥ አለዎ እዚ እንድሕር ዘይተገሊፁ ተወሳኪ እሴት ታክስ ከምዝሐወሰ ተገይሩ ይዉሰድ
5 ተጫረቲ መከበሪ ጨረታ ነቲ ዘቅርብዎ ጠቅላላ ዋጋ 2 ሚእታዊ ትራንስ ኢትዩጰያ ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ዉልቀ ማሕበር ሽም ዝተዳለወ ስፒኦ ከትሕዙ አለዎም
6 ጥቅላላ ዋጋ ማት ናይ ሐደ ዓመት ቫት ድሕር ዝሐወሰ ዋጋ ምካኑ ተጫረቲ ክፈልጡ አለዎም
7 እቲ ዝቀርብ ስፒኦ ንበይኑ ተዓሺጉ ክቀርብ አለዎ ስፒኦ ዘይቀረብ ማለት ድማ በቲ ዝተጠቀሰ መጠን መሰረት ዘየትሓዘ ተጫራቲ ካብ ዉድድር ወፃኢ ይግበር
8 ተጫራታይ ናይቲ ጨረታ ሰዓራይ ምካኑ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ብተከታታሊ ኣብ ዘሎ ሓሙሽተ መዓልቲ ዉሽጢ ዉዕሊ ብምእሳር ስራሕ ክጅምር አለዎ
9 ሰነድ ጨረታ ብዝተዓሸገ ፖስታ ክሳብ 30/10/2017 ዓም ንጉሆ ሰዓት 3:30 ኣብ ዳይሬክቶሪት ዕደጋን ምትእስሳር መቅረብትን ዝተዳለወ ቢሮ ናይ ጨረታ ሳንዱቅ ፋይንሻልን ፕሮፖዛል ዋናን ቅዳሕን ነንበይኑ ኣብ ፖስታ ብምዕሻግ ከቅርቡ አለዎም
10 እቲ ሳንዱቅ ጨረታ 30/10/2017 ዓም ንጉሆ ሰዓት 3:30 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:00 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ኣብ ዳይሬክቶሪት ዕደጋን ምትእስሳር መቅረብትን ይከፈት
11 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ዳይሬክተር ዕድጋን ምትእስሳር መቅርቢን ቢሮ ዘይምለስ 200 ቅርሺ ብምክፋል ክወስዱ ይግባእ
12 እቲ ሰነድ ጨረታ በቲ አብ ምልክታ ዝተጠቀሰ ዝቀረበ እንተኮይኑ ተጫረቲ ኣብዘይተረከብሉ እዉን ይክፈት
13 ተጫረቲ ንፅሬት ስራሕ ዝምድብዎ በዝሒ ሓይሊ ሰብ ብግልፂ ከቀምጡ አለዎም
14 ተጫረቲ ንፅሬት ስራሕ ዝጥቀምሎም መሳርሒታትን እተዋታትን ብግልፂ ከቀምጡ አለዎም
15 ተጫረቲ እቶም ናይ ፅሬት ግልገሎት ዝብህሎም ክፍሊታት ቦታት ቅድሚ ዋጋ ምምልኦም ብኣካል ናብቲ ትካል ብምምፃእ ክሪኡ ይግባእ
16 ትራንስ ኢትዩጰያ ሓለፈንቱ ዝተወሰነ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
ንተወሳኪ ሐበሬታ 0914007732 / 0914722260
ድሕሪት