ብቑዕሪ ዳ/ዕ/ፋ/ን/ምም/ርን /977/ ሀ-01
ዕለት 06/10/2017 ዓ/ም
ምልክታ ፕሮፎርማ ቁፅሪ 12 /2017 ዓ/ም
መቐለ ፖሊ ቴክኒክ ኮሌጅ ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቕሑት ፣ ናይ ኤሌክትሪክን ኤሌክትሮኒክስን ኣቕሕት ብፕሮፎርማ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።
መምርሒ ተወዳደርቲ /ተረቲ
1. ናይ ዘመነ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ በቲ ዘፈር ዘለኩም።
2. ናይ ግብሪ ከፋላይነት መፍለዪ ቁፅሪ /ቲን ናምበር ዘለኩም።
3. ናይ ዘመነ ዝተሓደሰ መቕርባይነት ምስክር ወረቐት ዘለኩም።
4. 2% ዊዝ ሆልዲንግ ክኸፍል ዝኽእል።
5. ዝቐርቡ መረዳእታታት ብደምቢ ዝንበቡን ስርዝ ድልዝ ዘይብሎምን ክኾኑ ኣለዎም።
6. ኣብዚ ፕሮፎርማ ክትወዳደሩ እትደልዩ ተጫረቲ ካብ ዕለት 06/10/2017 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 10/10/2017ዓ/ም ልክዕ ስዓተ 11:00 ኣብ ዘሎ ግዜ ናይ ጨረታ ሰነድ ኣብ ኪሌጅና ቢሮ ቁፅሪ 08 ዳይሬክቶሬት/ዕ/ፋ/ን/ምም/ርን መፂእኹም ምውሳድ ትክእሉ።
7. እቲ ፕሮፎርማ ዕለት 11/10/2017 ዓ/ም ልክዕ ስዓት 3:00 ተዓፅዩ በዚ ዕለት ልክዕ ሰዓት 4:00 ኣብ ኪሌጅና ቢሮ ቁፅሪ 08 ዳይሬክቶሬት/ዕ/ፋ/ን/ምም/ርን ይኽፈት ። ጨረታ እንትኸፍት ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ናይ ምርካብ መሰሎም ዝተሓለወ ኮይኑ ተጫረቲ ብዘይምርካቦም ግን ጨረታ ኣይተኣጓጎልን ።
8. ስዓራይ ምስ ተፈልጠ ካብ ዝተገለፀልኩም ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 3 ናይ ስራሕ መዓልቲ ዝሰዓርኩምዎ ንብረት ኣታዊ ክትግብሩ ኣለኩም።
9. ኮሌጅና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።
10. ዋጋ ፀኖዑ ዝፀንሐሉ ግዜ ጨረታ ካብ ዝተኸፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን 7ተ ተኸታተልቲ መዓልቲ ይኸውን።
11. ኣብቲ ሰነድ ጨረታ ካብ ዝተቐመጠ ስፔሲፊኬሽን ወፃኢ ምፅሓፍ ኣይፍቀድን ።
12. ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 03-44-40-45-92 ደዊልካ ምሕታት ይከኣለ።
ኪሌጅ ፖሊ ቴክኒክ መቐለ
ድሕሪት