ምልክታ ግልፂ ጨረታ
ኣብ ርእሰ ዋኒኑ ከምዝተገለፀ ቤት ፅ/ት ጉዳያት ኮሙኒኬሽንክልል ትግራይ ኣብ በጀት ዓመት 2017ዓ/ም ንናይ ቤት ፅ/ትና ግልጋሎት ዝውዕል ዝተፈላለዩ ናይ መካይን ጎማታት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ፡፡
1. ጨ.ቑ ቤት ፅ/ት.ጉ.ኮ/ኣቑ - 03/2017 ናይ መካይን ጎማ
በዚ መሰረት ኣብዚ ጨረታ ክትሳተፉ እትደልዩ ተወዳደርቲ እተማልእዎ ሮቑሓ፡-
1. ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ቫት ተመዝገብቲን ናይ መወዳእታ ወርሒ ቫት ሪፖርት መፍለይ ቑፅሪT ኣብ ዝርዝር መቕረብቲ ዝተመዝገቡ ምኻኖም መረዳእታ /መቅረባይነት ከቅርቡ ዝክእሉን ኣብቲ ሰነድ ጨረታ ብዝተቀመጠ ዝርዝር መዐቀኒታት ዘማልኡን
2. መኽበሪ ጨረታ፡
➢ መካይን ጎማ ብር 15,000.00/ዓሰርተ ሓሙሽተ ሽሕ ብር/ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ C.P.O ከትሕዙ ዝኽእሉ
3. ዋጋ ሰነድ ጨረታ፡
ዘይምለስ ብር 100.00/ሓደ ሚኢቲ ብር/ ብምኽፋል ጨረታ ሰነድ ካብ ቤት ፅ/ት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ክልል ትግራይ ዳሬክቶሬት ዕደጋን ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ቢሮ ቑፅሪ 8 ንተኸታታሊ ካብ ዕለት 15/09/2017 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 02/10/2017ዓ.ም ኣብ ዘሎ ናይ ስራሕ ጊዜ መፂኹም ምግዛእን ንኡ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ናይ ጨረታ ሰነድ ምእታው ትክእሉ፡
4. ጨረታ ዝዕፀወሉን ዝኸፈተሉን ዕለት -
4.1. ዕለት 2/10/2017 ዓ.ም ስዓት 8:30 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ስዓት 9:00 ተጫረቲ ወይም ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ልዕል ኢሉ ኣብ ዝተጠቀሰ ኣድራሻ ብግልፂ ይኸፈት
5. ቤት ፅ/ትና ነቲ ዘውፀኦ ጨረታ ከም ኣድላይነቱ 20% ናይ ምውሳኸ ወይም ናይ ምቕናስ መሰለ ዝተሓለወ'ዩ፣
6. ኣብዚ ጨረታ ሰዓራይ ዝኮነ ትካል ካብ ዘሸነፎ ጠቅላላ ዋጋ 10% አትሒዙ ውዕሊ ዝኣስርን
7. ስዓራይ ብቲ ዝወፀ ስፐሲፊክሽንን ብዝቐርብ ሳንፕልን መሰረት ምስቐረበ ፅሬቱ ብዝምልከቶም ኣካላት ምስተረጋገፁ ኣብቲ ዝድለየሉ እዋን ብናይ ባዕሉ ትራንስፖርት ናብ ቤት ፅ/ትና ኣታዊ ይገብር፣
8. እዚ ጨረታ ፀኒዑ ዝፀንሉ ግዜ ጨረታ ካብ ዝተኸፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን15 መዓልቲ ይኸውን፡፡
9.ዝቐርብ ሰነድ ጨረታ ሓደ ኦርጅናልን ኣብ ኩሉ ገፅ ናይቲ ትካል መሓ ዝዓረፎን ሓደ ኮፒን ይኸውን
10. ቤት ፅ/ትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብክፋል ይኹን ብሙሉእ እቲ ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ 'ዩ::
11.ንዝበለፀ ሓበሬታ፡- ቤት ፅ/ትና ዝርከበሉ ፊትለፊት ኣግኣዚ ባንኪ ጎኒ ዘዮርዳኖስ ሆቴል ስቑ 0344409343 / 0914734003 ወይ 0914766550/ ደዊልካ ምሕታት ይከኣል 'ዩ::
ቤት ፅ/ት ጉዳያት ኮሙኒኬሽንክልል ትግራይ
ድሕሪት