ምልክታ ጨረታ
ሀሴት ሪልስቴት ኣ/ማ ኣብ ከተማ መቀለ ኣብ ክፍለ ከተማ ሓድነት ቀበሌ 17 ንዝሃንፆ ናይ መንበርን ንግድን ኣባይቲ ናይ ሓመድ ኳዕቲ ስራሕቲ ብናይ ኮንስትራክሽን ፍቃድ ደረጃ GC-5ን ልዕሊኡን ብርኪ ፍቃድ ዘለዎም ስራሕ ተኮናተርቲ ዝኮኑ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ።
➢ ተጫረቲ ኣብቲ ጨረታ ንምስታፍ እዞም ስዒቦም ዝተገለፁ ረቁሓታት ከማሉኡ ኣለዎም።
1. ናይ 2017 ዓ.ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድን ፡ ብቅዓት መረጋገፅን ፡መቅረባይነት ሰርትፍኬት።
2. ናይ 2017 ዓ.ም ዝተሓደሰ ብቅዓት መረጋገፂ ሰርትፍኬት \ ደረጃ ስራሕ ፍቃድ\ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል።
3. ናይ VAT ምዝገባ ወረቀት ምስክር ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ናይ VAT ዲክለራስየን መረዳእታ ዘለዎ።
4. ናይ ጨረታ ውሕስና ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ(unconditional guarantee) CPO ብር 100.000.00(ሚእቲ ሽሕ) ከትሕዝ ዝክእል።
5. ተጫረቲ ናይቲ ዝተጫረትሉ ህንፃ ፕሮጀክት ስራሕቲ ሓመድ ኳዕቲ ውዕሊ ካብ ዝፈፀምሉ ዕለት ጀሚሮም ኣብ ውሽጢ 07 ተከታታሊ መዓልቲታት ውሽጢ ሙሉእ ብ ሙሉእ ዛዚሞም ከረክቡ ኣለዎም።
6. ኩሎም ተጫረቲ ጨረታ ሰነድ ካብ ዕለት 12\09\2017 ጀሚሩ ኣብ ከተማ መቀለ ክ\ከተማ ቀደማይ ወያነ ቀበሌ 13 ኣብ ጎኒ ግሪንቫሊ ካፌ 3ይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 19 ኣድላዩ መረዳእታ ብምሓዝ ዘይምለስ 500 ብር ብምክፋል ክወስዱ ይክእሉ እዮም።
7. ተጫረቲ ናይቲ ፕሮጀክት ዋጋ (ፍይናንሻል) ዶክመንት ኦርጅናልን ኮፒን ኣብ ዝተዓሸገ ፖስታ
ብምግባር ኣብቲ ናይ ድርጅት ቤት ፅሕፈት ቢሮ ቁፅሪ 19 ክሳብ ዕለት 19/09/2017 ናይ ንጉሆ ሰዓት 04፡00 ብኣካል ብምምፃእ ከእትው ይክእሉ እዮም።
8. ተጫረቲ ኣብቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ዝቀረቡ ቅጥዒ ብትክክል መሊኦም ኣብ ሕድሕድ ገፅ እቲ ዶክመንት ፌሪሞምን ሓቲሞምን ከቅርቡ ይግባእ። ኣብቲ ናይ ጨረታ ቅጥዒ ስርዝ ድልዝ እንተሃሊዎ ተቀባልነት የብሉን።
9. እቲ ጨረታ ዕለት 19/09/2017ዓ.ም ልክዕ ሰዓት 04፡00 ናይ ቅድሚ ሰዓት ተዓፂው በቲ ዕለት ልክዕ ሰዓት 04፡30 ናይ ቅድሚ ሰዓት ድማ ኣብቲ ናይ ድርጅት ቢሮ ይክፈት። ኣብ ትካልና ብኣካል ናይ ዘይተረከበ ተጫራታይ እውን ናይ ምክፋት መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።
10. ሀሴት ሪልስቴት ካሊእ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ድማ ብከፊል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።
11. ንተወሳኪ ሓበሬታ ኣብ ከተማ መቀለ ክፍለ ከተማ ቀደማይ ወያነ ቀበሌ 13 ኣብ ጎኒ ግሪን ቫሊ ካፌ ዝርከብ ቢሮ ቁፅሪ 19 3ይ ደብሪ ብኣካል ብምቅራብ ወይ ድማ ብቁፅሪ ስልኪ 0974999990 / 0961090830 ብምድዋል ምርካብ ይካኣል እዩ።
ድሕሪት