ቁ.ጨረታ 05/2017 /በጀት ዓመት
ንካልኣይ ግዜ ዝወፀ ምልክታ ጨረታ
ንበዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ን2017 በጀት ዓመት ግልጋሎት ዝውዕል ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቁሒት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደለየ:: ዝምልከተኩም ትካላት በሽ ዝስዕብ ረቑሓ መሰረት ክትወዳደሩ ይዕድም፡፡
1. ተጫረቲ ናይ ዘመኑ ግብሪ ዝኸፈሉን ንግዲ ፍቓድ ዘለዎምን ዝሓደሱን
2. ነተጫረቲ ቫት ምምዝጋቦም ፣መለለዪ/ቲን/ ኣብ መቅረባይ ዝተመዝገበን ምዃኖምን ናይ የካቲት/2017 ዓ/ም ቫት ዝኸፈለሉ ድክለሬሽን መረዳእታ ከቕርቡ ዝክእሉ ክኾኑ አለዎም፡፡
3. ናይ ጨረታ መትሓዚ ብር =10,000.00 ብሲፕኦ ወይም ብጥረ ገንዘብ ከትሕዙ ኣለዎም።
4. ንዝተዳለወ ናይ ተጫረቲ መምርሒን ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ዝሐዘን ንሕድሕድ ደኩመንት ን ዘይምለስ ብር 100/ሓደ ሚኢት ብር/ ብምኽፋል ካብ ባዓል መዚ ልምዓት እቶትክ/ትግራይ ደ/ከ/ስራሕ ዕ/ፋ/ንብረት ምም/ር ቢሮ ቁፅሪ 4ን5ን ብምውሳድ ንዘቅርብዎ ዝርዝር ጨረታ ሰነድ ዋጋ ብምምላእ ብዝተኣሸገ ፖስታ ብምድላው እዚ ምልክታ ጨረታ ካብ ዝተጋወሐሌ ዕለት ጀሚሩ 12/09/2017 ዓ/ም እስካብ ዕለት 27/09/2017 ኣብ ስራሕ ሰዓት ንጨረታ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቕ ብምእታው ትወዳደሩ ትኽእሉ።
5. እቲ ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 2709/2017 ዓ/ም ስዓት 5፡00 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 5.30 ቅድሚ ሰዓት ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪል ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ባዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ይኸፈት፣
6. ባዓል መዚ ልምዓት እቶት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰለ ዝተሓለወ እዩ።
7. ብተጫረቲ ዝምላእ ዋጋ ቫት ዝሓወሰ ክውን ኣለዎ።
8. ኣብ ዝቅርብ ደኩመንት ሕድሕድ ገፅ ክቢ ማሕተምን ፊርማን ክግበረሉ ኣለዎ።
9. ተወዳደርቲ ዝሰዓርዎ ንብረት ብናይ ባዕሎም ትራንስፖርትን መራገፍን የቅርቡ።
10. ተወዳደርቲ ናይቲ ንብረት ሞዴል (Brand and Model) ክጠቅሲ ኣለዎም።
ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344-40 18 75 ደዊልካ ምሕታት ይካኣል
NB ኣድራሻና ዓዲ ሓቂ ማሕበር ጉዱኣት ኩናት ህንፃ ይሓ 3 ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 4/5
ጥቃ ዋና ቢሮ ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ
ድሕሪት