ምልክታ ፕሮፎርማ
ማሕበር ልምዓት ትግራይ ንቤት ፅሕፈትና ዝውዕሉ ናይ ሞተር ሳይክል መቀያየሪ አቅሑት ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ። ስለዝኾነ ድማ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቛሒታት እተማልኡ ተወዳደርቲ ንክትሳተፉ ይዕድም፡፡
1. ናይ 2017 ዓ.ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ፣
2. መለለዪ ንግዲ ፍቓድ (Tin Number) ምስ ንግዲ ፍቓድ ፎቶ ኮፒ፣
3. ቫት ወይ IOI ተመዝገብቲ ዝተመዝገብሉ መረዳእታ ናይ መጋቢት ወርሒ 2017 ዓ.ም ዲክላራስዮን ከቕርቡ ዝኽእሉ፣
4. ዝተሓደሰ ምዝገባ መቕረባይነት 2017 ዓ.ም ከቕርቡ ዝኽእሉ፣
5. ተኸታታሊ ቑፅሪ ዘለዎ ሕጋዊ ደረሰኝ፣
6. ካብ እስፐሲፍኬሽን ወፃኢ ስርዝ ድልዝ ኣይፍቀድን፣
7. እዚ ፕሮፎርማ ስዒርካ ምስ ተብሃለ ኣብ ውሽጢ 3 መዓልቲ እቲ ዝድለ ንብረት ኣታዊ ክገብር ዝኸእል፣
8. እቲ ዋጋ ክምላእ ከሎ ምስ ቫቱ ምዃኑን ዘይምዃኑን ብንፁር ክቕመጥ ኣለዎ፡፡ ብንፁር እንተዘይተፈሊጡ ምስ ቫቱ ከምዝተመልኣ ተሓሳቢ ይግበር።
9. ኣብቲ ናይ ፕሮፎርማ ሰነድ ሙሉእ ሽምን ማህተምን እቲ ትካል ክጥቀስ ይግባእ፣
10. ማ.ል.ት እቲ ፕሮፎርማ ብሙሉእ ይኹን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰለ ዝተሓለወ እዩ፣
11. ኣብቲ ናይ ፕሮፎርማ ሰነድ ሙሉእ ሽምን ማህተምን እቲ ትካል ክጥቀስ ይግባእ፣
12. እዚ ፕሮፎርማ ዕለት 8/09/2017 ዓ.ም ሰዓት 8፡30 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 9:00 ኣብ ቤት ፅሕፈት ማ.ል.ት ይኸፈት፡፡
ማ ሕ በ ር ል ም ዓ ት ት ግ ራ ይ!
ድሕሪት