ምልክታ ግልፂ ጨረታ ህንፃ መሳርሒ
ዋሕስ ናይ ገዛ ቁጠባን ህንፀትን ኣ/ማ ኣብ ዓዲ-ሓ ንዘስርሖ ዘሎ ህንፃ ኣገልግሎት ዝውዕል ዝተፈላለየ ዓይነት ናይ መንደቅን መሸሸታን እምኒ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለ ነቲ ዝተቀመጠ ረቋሕታት እተማልኡ ሕጋውያን ነጋዶ ንክትወዳደሩ ይዕድም፤
1. ተጫረትቲ በቲ ዘርፊ ናይ 2017 ዓ/ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ፣ ናይ ግብሪ ከፋሊ ዝርዝር ዝተመዝገቡ ምዃኖ ምምስክር ወረቀት (TIN)፣ ኣብ ናይ መንግስቲ መቅረባይነት ምስክር ወረቀት ኮፒ ጌሮም ከቅርቡ ዝኽእሉ።
2. ተጫረትቲ ብር 10,000(ዓሰርተ ሽሕ)ናይ ጨረታ ኽበሪ ካብ ዝተፈለጠ ባንኪ ናይ ክፍሊት መአዚዚ (cpo) ወይ ድማ ኣብ ኹነታት ዘይተመስረተ ናይ ባንኪ ውሕስና ብሽም ዋሕስ ናይ ገዛ ቁጠባን ህንፀትን ኣ/ማ ከትሕዙ ዝኽእሉ፤ካብዚ ወፃኢ ጥረ-ገንዘብ ከምዘይንቅበል ነፍልጥ።
3. ተጫረትቲ ዘይምለስ ብር 300(ሰለስተ ሚእቲ) ብምኽፋል ሰነድ ጨረታ ካብ መቐለ ዋና ቤት ፅሕፈት ዋሕስ ናይ ገዛ ቁጠባን ህንፀት ኣ/ማ ቢሮ ክፍሊ ዕደጋን ፋይናንስን ምውሳድ ይኽእሉ።
4. እቲ ጨረታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት 22/08/2017 ክሳብ 30/08/2017 ዓ/ም ኣብ ኣየር ዝፀንሕ ኮይኑ ሳዕን ጨረታ ዕለት 30/08/2017 ዓ/ም ሰዓት 8:30 ድሕሪ ቀትሪ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 9:30 ድሕሪ ቀትሪ ተጫረትቲ ወይ ሕጋውያን ወኪላቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ትካልና ይኸፈት። ተጫረትቲ ብናይ ባዕሎም ድሌት ኣብ ስነ ስርዓት ምኽፋት ጨረታ እንተዘይተረኺቦም ትካልና ጨረታ ሰነድ ናይ ምኽፋት መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።
5. ትካልና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ እዚ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉው እዩ።
ኣድራሻና: - ኣብ ሮማናት ኣደባባይ ባንኪ ኣቢሲንያ ኣብ ዝርከበሉ ህንፃ 3ይ ደብሪ ዋሕስ ናይ ገዛ ቁጠባን ህንፀትን ኣ/ማ ንርከብ፤ንተወሳኺ ሓበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0967-568418/0967- 557103 ምሕታት ይኸእሉ።
ድሕሪት