ምልክታ ግልፂ ጨረታ ህንፃ መሳርሒ
ዋሕስ ናይ ገዛ ቁጠባን ህንፀትን ኣ/ማ ኣብ ዓዲ-ሓ ንዘስርሖ ዘሎ ህንፃ ኣገልግሎት ዝውዕል ዝተፈላለየ ዓይነት ናይ ሳኒተሪ ኣቁሑት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለ ዝደለየ ነቲ ዝተቀመጠ ረቋሕታት እተማልኡ ሕጋውያን ነጋዶ ንክትወዳደሩ ይዕድም፤
1. ተጫረትቲ በቲ ዘርፊ ናይ 2017 ዓ/ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ስራሕ ፍቃድ ፣ናይ ግብሪ ከፋሊ ምስክር ወረቀት (TIN)፣ ኣብ ናይ መንግስቲ መቅረባይነት ዝርዝር ዝተመዝገቡ ምዃኖም ምስክር ወረቀት ኮፒ ጌሮም ከቅርቡ ዝኸእሉ።
2. ተጫረትቲ ብር 20,000(ዒስራ ሽሕ) ናይ ጨረታ መኽበሪ ካብ ዝተፈለጠ ባንኪ ናይ ክፍሊት መአዘዚ (cpo) ወይ ድማ ኣብ ኹነታት ዘይተመስረተ ናይ ባንኪ ውሕስና ብሽም ዋሕስ ናይ ገዛ ቁጠባን ህንፀትን ኣ/ማ ከትሕዙ ዝኽእሉ ፤ካብዚ ወፃኢ ጥረ-ገንዘብ ከምዘይንቅበል ነፍልጥ።
3. ተጫረትቲ ዘይምለስ ብር 300(ሰለስተ ሚእቲ) ብምኽፋል ሰነድ ጨረታ ካብ መቐለ ዋና ቤት ፅሕፈት ዋሕስ ናይ ገዛ ቁጠባን ህንፀትን ኣ/ማ ቢሮ ክፍሊ ዕደጋን ፋይናንስን ምውሳድ ይኸእሉ።
4. እቲ ጨረታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት 22/08/2017 ክሳብ 30/08/2017 ዓ/ም ኣብ ኣየር ዝፀንሕ ኮይኑ ሳዕን ጨረታ ዕለት 30/08/2017 ዓ/ም ሰዓት 3:30 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4:30 ቅድሚ ቀትሪ ተጫረትቲ ወይ ሕጋውያን ወኪላቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ትካልና ይኽፈት። ተጫረትቲ ብናይ ባዕሎም ድሌት ኣብ ስነ ስርዓት ምኽፋት ጨረታ እንተዘይተረኺቦም ትካልና ጨረታ ሰነድ ናይ ምኽፋት መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።
5. ትካልና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ እዚ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉው እዩ።
ኣድራሻና: - ኣብ ሮማናት ኣደባባይ ባንኪ ኣቢሲንያ ኣብ ዝርከበሉ ህንፃ 3ይ ደብሪ ዋሕስ ናይ ገዛ ቁጠባን ህንፀትን ኣ/ማ ንርከብ፤ንተወሳኺ ሓበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0967-568418/0967- 557103 ምሕታት ይኸእሉ።
ድሕሪት