ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ካብዚ ንታሕቲ ዝተገለፁ ሕድ ሕድ ምድብ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ኣቑሑት ክዕድግን ከፀግንን ይደሊ::

ቑፅሪ 0687/ደው-040/17

ዕለት 18/06/2017

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ካብዚ ንታሕቲ ዝተገለፁ ሕድ ሕድ ምድብ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ኣቑሑት ክዕድግን ከፀግንን ይደሊ:: በዚ መሰረት ካብዚ ንታሕቲ ዝተገለፁ ረቓሒታት ብምምላእ ተታሓሒዙ ዝቐረበ ዝርዝር መሰረት ክትጫረቱ ንዕድም ::

ምድብ.1 ናይ ማይ መፃረይ ማሽን ኣቑሑት ኣቕርባትን ፅገናን (supply spares and provid maintenance service for revers osmosis water treatment plant 16meter cubice per hour capacity)

ምድብ.2 ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቑሑት ( spare parts )

01. ብተዛማዲ ስራሕ ዘይሃሰሰ ናይ ዘመኑ ዝተሃደሰ ንግዲ ፈቓድ ፣ ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ (VAT) ተመዝግብቲን ፣ ቲን ናምበር ዘለዎ ኮፒ ከቕርብ ዝኽእልን ኣብ ናይ መቕረባይ ዝተመዝገበን ግብሪ ምኽፋሉ ዲክላራስዮን ናይ ወርሒ ታሕሳስ / ጥሪ 2017 ዓ/ም ምስክር ወረቐት ኮፒ ከቕርብ ዝኽእል ።

02. ተጫረቲ ናይ ጨረታ ውሕስና መኽበሪ ንሕድ ሕድ ምድብ 20,000 ( ዕስራ ሽሕ) ብ ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ሽም ዝተሰርሐ CPO ወይ ብሰርትፋይድ ቼክ ከትሕዙ ዝኸእሉ

03. እቲ ጨረታ ሰነድ ንምድብ 1 ብፋይናንሻልን ቴክኒካልን ዝቐርብ ኾይኑ ንምድብ 2 ዋንኡ ምስ ሓደ ኮፒ ብኢንቨሎፕ ተዓሸጉ ኽቐርብ ዘለዎ ኾይኑ ንሕድ ሕድ ምድብ ዋንኡን /ኦርጅናል/ ምስ ቕዳሕ ኮፒ/ ሰነድ ናይቲ ትካል በዓል ስልጣን ፊርማን ማሕተምን ክህልዎ ይግባእ፡፡ ብግልፂ ዝረአ ዝተሓደሰ ንግዲ ፈቓድ ፣ ቲን ዝተመዝገቡ ፣ ናይ ኣቕራባይ ምዝገባ ምስክር ወረቐት CPO ወዘተ ዘድሊ ሰነድ ኣብ ቴክኒካል ኦርጅናል / ዋና ዶክመንት ክተሓሓዝ ኣለዎ።

04. ሰነድ እቲ ጨረታ ኣብ ቢሮ ቑፅሪ 09 ብምውሳድ ኣብ ዝተዳለወ ሳፁን ምእታው ይኸእሉ። ከምኡ ውን ተጫረቲ ብዘቕርብዎ ናይ መወዳደሪ ሓሳብ ሽሞም ፣ ፊርማን ኣድራሻን ክገልፁ አለዎም፡፡

05. ተጫረቲ ኣብ ጨረታ ሰነድ መብርሂ ወይም ናይ ምምሕያሽ ሕቶ እንተሃሊዎም ቕድሚ ካብ ዝተወሰነ ግዜ ገደብ ብስልኪ ቑፅሪ 03-44-40-28-01 ክሓቱ ይኸእሉ''

06. ጨረታ ኣብ ኣየር ዝፀንሐሉ ካብ ዕለት 19/06/2017 ዓ/ም እስካብ 01/07/2017 ዓ/ም ኾይኑ ዕለት 01/07/2017 ዓ/ም ሰዓት 4፡00 ተዓዕዩ ኣብ ዝተጠቐሰ ዕለት ተጫረቲ ወይም ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ሰዓት 4:30 ኣብ ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ቢሮ ቑፅሪ 09 ይኸፈት ፡፡ ይኹን እምበር ተጫረቲ ጨረታ ኣብ ዝኸፈተሉ ጊዜ እንተዘይተረኪቦም እቲ ጨረታ ካብ ምኽፋት ኣይትኣጓጉልን፡፡

07. ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ትግራይ ዝሐሽ ኣማራፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብምሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ ኢዩ፡፡

ኢንስቲትዩት ምርመር ሕርሻ ትግራይ

ኣድራሻ:- ዒላላ ፈልሲ ጣብያ

(251-34)441-77-98

(251-34)440-28-01

ድሕሪት
ጨረታ መደብ