ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ ን 2017 ዓ/ም በጀት ዓመት ግልጋሎት ዝዉዕሉ ዝተፈላለዩ ደንቢ ክዳን /ጋቦን ናይ ዳያኑ/ ፅሕፈት መሳርሒ፣ ሕትመት፣ ኣናእሽተይ መሳርሒታት፣ ናይ መኪና ጎማን መጋየፅን፣ ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣክሰሰሪን ብክልላዊ ግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ንምዕዳግ ስለዝደለየ::

ቁፅሪ ዳ/ዕ/ን/ምም/ርን/272/2017 ዓ/ም 

ዕለት- 10/06/2017 ዓ/ም

ናይ ግልፂ ጨረታ መፀዋዕታ ምልክታ

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ ን 2017 ዓ/ም በጀት ዓመት ግልጋሎት ዝዉዕሉ ዝተፈላለዩ ደንቢ ክዳን /ጋቦን ናይ ዳያኑ/ ፅሕፈት መሳርሒ፣ ሕትመት፣ ኣናእሽተይ መሳርሒታት፣ ናይ መኪና ጎማን መጋየፅን፣ ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣክሰሰሪን ብክልላዊ ግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ንምዕዳግ ስለዝደለየ ስዒቦም ዘለዉ ረቋሒታት እተማልኡ ክትወዳደሩ ይዕዉዕ::

1. በቲ ዘርፊ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎምን ናይ 2017 በጀት ዓመት ዝተሓደሰ ሓደ ገፅ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ ክኮኑ ኣለዎም::

2. ተጫረቲ ናይ ዝወዳደሩሎም ዘርፊ ናይ 2017 በጀት ዓመት ሓደ ገፅ ዝተሓደሰ መቅረባይነት ካርዲ ከቅርቡ ዝክእሉ ክኮኑ ኣለዎም::

3. ናይ ቫት ዊዝሆልድ መረዳእታ፣ ቲን ናምበርን ናይ ወርሒ ጥሪ 2017 ዓ/ም ወርሓዊ ዲከላሬሽን ኣሐዲሶም ዝንበብን ግልፂ ዝኮነን ንሕድሕድ መረዳእታ ሓደ ሓደ ገፅ ከቅርቡ ኣለዎም::

4. ተጫረቲ ኣብ ሰነድ ጨረታ ዝተገለፀ መክበሪ ጨረታ ብሲፒኦ ወይ ድማ ብባንኪ ብዝተረጋገፀ ቸክ ወይ ድማ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ናይ ባንኪ ዉሕስና ወይ ድማ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዙ ይግባእ::

5. ተጫረቲ መጫረቲ ሰነዶም 200 ብር ብምክፋል ካብ ዕለት 12/06/2017-26/06/2017 ዓ/ም ሰዓት 11:30 ካብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ ዳይሬክተር ዕደጋን ንብረት ምምሕዳርን ቁፅሪ4 ምዉሳድ ይክእሉ እዮም::

6. ተጫረቲ አሸናፊነቶም ካብ ዝተገለፀሎም ድሕሪ ናይ ጥርዓን 3' ናይ ስራሕ ማዓልቲ ኣብ ዉሽጢ 3' ናይ ስራሕ ማዓልቲ 10% ናይ ጠቅላላ ዘሸነፍዎ ንብረት ዋጋ ብስም ቤት ዕዮና ብምትሓዝ ዉዕል ናይ ምእሳር ግዴታ ኣለዎም::

7. ተጫረቲ ዘሸነፍዎ ንብረት ብዉዕሉ መሰረት ኣታዊ ክገብሩ ኣለዎም:: መቅረባይ ብዉዕሉ መሰረት ኣታዊ ካብ ዘይገበሮ ንብረት በብመዓልቱ 0.1% ወይ 1/1000% ቅፅዓት ይከፍል::

8. ተጫረቲ ኣብ ሰነድ ጨረታ ብዝተቀመጠ ዝርዝር ወይ ድማ በዝሒ ካብ ሕድ ሕድ ዓይነት ንብረት ቤት ዕዮ ብ 20% ምዉሳክ ወይ ምቅናስ ዝክእል ምኳኑ ክፈልጡ ይግባእ::

9. ጨረታ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዜ ጨረታ ካብ ዝተጋወሐሉ መዓልቲ ዝቁፀር ካብ 12/06/2017- 26/06/2017 ዓ/ም ን 15 ተከታተልቲ መዓልቲታት ኮይኑ ጨረታ ዝዕፀወሉ ድማ ዕለት 27/06/2017 ዓ/ም ንጉሆ ሰዓት 3:30 ኮይኑ ጨረታ ዝክፈተሉ ድማ ዕለት 27/06/2017 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ኩሎም ተጫረቲ ሕጋዊ ወኪሎም/ ኣብ ዝተረከብሉ ኮይኑ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ መዓልቲ ድማ ካብ ጨረታ ዝተከፈተሉ መዓልቲ ዝቁፀር 40 ተከታታሊ መዓልቲ ምኳኑ ክፈልጡ ይግባእ::

10. ተጫረቲ ኣብ ሰነድ ጨረታ ሕቶ እንተሃልይዎም ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ብፅሑፍ ናብ ቤት ዕዮ ከቅርቡ ይክእሉ እዮም::

11. ቤት ዕዮና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብክፋል ይኩን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ::

ንተወሳኪ ሓበሬታ ጥራሕ ዘገልግል ስልኪ 03-44-40-24-20 ብምድዋል ምሕታት ይክኣል

ድሕሪት
ጨረታ መደብ