ምልክታ ሾፒንግ ፕሮፎርማ
ቢሮ ማይን ኢነርጅን ክልል ትግራይ ነዞም ኣብ ታሕቲ ተገሊፆም ዘለው ናይ ፈርኒቸር አቑሑት ብናይ FSRP በጀት ብሾፒንግ ፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ ፡፡ ስለዚ በቲ ዘርፊ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለኩም ነጋዶ ክትወዳደሩ ይዕድም።
ታ.ቁ | ናይ ኣቕሓ ዝርዝር (Description) | መፍለይ ቁፅሪ/Spefication | መዐቀኒ (Unit) | በዝሒ | ነፀላ ዋጋ | ጠቅላላ ዋጋ |
---|---|---|---|---|---|---|
1 | Metal Shelf two open(ሸልፍ በዓል 2ተ ተከፋቲ ሓፂን ) | ብስፐሲፈኬሽን መሰረት | ቑፅሪ | 06 | ||
2 | U leg mesh guest chair | ብስፐሲፈኬሽን መሰረት | ቑፅሪ | 03 | ||
3 | Chair (Sheraten) metal (mic chair) | ብስፐሲፈኬሽን መሰረት | ቑፅሪ | 04 |
ክማልኡ ዝግበኦም ረቛሓታት
1. ተወዳደርቲ ናይ 2017 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ፣ ቲን /TIN/ ፣ ዝተሓደሰ መቅረባይነት ሰርቲፊኬት ምስቲ ፕሮፎርማ ብፖስታ ተዓሽጉ ከቕርቡ ኣለዎም።እቲ ዝቀርብ ዶክመንት ዝረአ ክኸውን ኣለዎ ዘይረአ እንተኮይኑ ናብ ውድድር ኣይቀርብን።
2. ተወዳደርቲ መሊኦም ኣብ ዘቕርብዎ ፕሮፎርማ ፊርማን ክቢ ማሕተምን ከዕርፍሉ ኣለዎም፡፡
3. እዚ ናይ ፕሮፎርማ ምልክታ(ቅጥዒ)አብ ሞንጎ ቢሮናን ሰዓራይን ከም ውዕሊ ኮይኑ የገልግል።
4. ተወዳደርቲ እትጫረትሉ ዋጋ ካብ ቢሮና ብዝወሰድክምዎ ቅጥዒ ወይም ብናይ ባዓልኹም መሊእኹም ክተቕርቡ ይግባእ፡፡
5. ተወዳደርቲ ስዓርቲ ኮይኖም እንተተረኪቦም እቲ ንብረት ብናይ ባዕሎም መጓዓዝን መራገፍን ናብ ቢሮ ማይን ኢነርጂን ስቶር ክፍሊ ኣታዊ ይገብሩ።
6. ተወዳደርቲ ዝመልእዎ ፕሮፎርማ ካብ ዕለት 25/04/2017 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 01/05/2017 ዓ/ም ሰዓት 3:00 ኣብ ዘሎ ግዘ ምቕራብ ይኽእሉ።
7. እዚ ፕሮፎርማ ዕለት 01/05/2017 ዓ/ም ሰዓት 3:00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 3:10 ኣብ ነባር ቢሮ ማይን ኢነርጅን ክልል ትግራይ ኣብ ዳ/ዕ/ን/ምም/ርን ቢሮ ቁፅሪ 13 ዝርኸብ ይኽፈት፡፡
8. ቢሮና ኣድላይ ኮይኑ እንተረኺብዎ ነዚ ፕሮፎርማ ብኽፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕልው እዩ፡፡
9. ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪቁፅሪ 0914727578 ደውልካ መብርሂ ምሕታት ትኽእሉ
ድሕሪት