ቑፅሪ፡ደ/ከ/ስ/ዕ/ምም/ን/0012/2017
ዕለት- 25/03/2017 ዓ/ም
ናይ ፕሮፎርማ ዕደጋ ፃውዒት
ኢንተርፕራይዝ ስራሕቲ መንገዲ ክልል ትግራይ ካብዚ ንታሕቲ ተዘርዚሩ ዘሎ ንብረት ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ስለዝደለየ ሕጋዊያን ነጋዶ ክትወዳደሩ ይዕድም፡
ተ/ቑ | ዝርዝር ንብረት | መፍለዪ | መለክዒ | በዝሒ | ነፀላ ዋጋ | ጠ/ዋጋ | መብርሂ |
---|---|---|---|---|---|---|---|
1 | ናይ ታኒካ ፀባ በዓል 400 ግራም | ሳምፕል | ቑፅሪ | 250 |
1. ፕሮፎርማ ዝቐርበሉ ቦታ፡ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ምምሕዳር ንብረትን
2. ፕሮፎርማ ዝቐርበሉ ጊዜ፡ ክሳብ ዕለት 27/03/2017 ሰዓት 4፡00 ረፋድ
3. ተወዳዳሪይ ስዓራይ ምዃኑ ናይ ዕደጋ ትእዛዝ ምስተውሃቦ ኣብ ውሽጢ 5' መዓልቲ ከቕርብ ግዴታ ኣለዎ። ኣብቲ ዝተጠቐሰ ግዜ ከቕርብ ዘይከኣለ ተወዳዳሪይ ካብዚ ትካል ናይ ዕደጋ ስራሕቲ ከምኣድላይነቱ ይእገድ ፡፡
4. ተወዳዳሪ ኣግባብነት ዘለዎ ብግልፂ ዝንበብ ዝተሓደሰ ንግዲ ስራሕ ፍቓድ ፣ ናይ ግብሪ ከፋሊ መፍለይ ቑፅሪ ፣ ናይ ንግዲ ዘርፍን ( መቕረባይ ) ካሊእ ኣድላይ መረዳእታን ዘቕርብ፤
5. ተወዳደርቲ ዝመልእዎ ሰነድ ፕሮፎርማ ብናይዚ ትካል ዝወፀ ሰነድ ክኸዉን ይምረፅ ፣ ብናይ ባዕሎም ሰነድ እንተመሊኦም ግን ምስቲ ናይ ትካልና ዝወፀ ሰነድ ፕሮፎርማ ሓደ ዓይነት ክኸዉን ኣለዎ ።
6. እዚ ናይ ፕሮፎርማ ዕደጋ ምልክታን ብተወዳደርቲ ዝቐርብ ናይ ፕሮፎርማ ዋጋ ዝሓዘ ሰነድን ኣብ መንጎ ገዛእን ሽያጥን ከም ውዕሊ ኮይኑ ይሰርሕ
8. እቲ ፀባ መምረቲ ግዚኡ ( production date ) 2024 ብኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ፣ ግልጋሎት ዝቐረፀሉ ግዜ ( expire date ) ክሳብ 2026 ብኣቆፃፅራ ኣውሮፓ
7. ስዓራይ ዝኾነ ተወዳዳራይ እቲ ንብረት ኣታዊ ብዘይ ምግባሩ ኣብቲ ኢንተርፕራይዝ ዝበፅሐ ጉድኣት ብምርኣይ ትካል ብሕጊ ክሓትት ይኽእል።
8. ተወዳዳሪ ኣብ ዝቐርብ ናይ ፕሮፎርማ ሰነድ ፊርማን ማህተምን ናይ ምግባር ግቡእ ይህልዎ።
9. ናይ ዕደጋ ትእዛዝ ተዋሂብዎ ንከቕርብ ፍቃደኛ ዘይኾነ ተወዳዳሪ ኣብ ዝኾነ ናይቲ ትካል ናይ ዕደጋ ውድድር ንዘይተወሰነ እዋን ከይሳተፍ ደብዳቤ ይፀሓፈሉ ።
10. እቲ ንብረት ናብ ዋ/ቤ/ዕ ኢ/ስ/መ/ት ምስ ኣተወ ኣብ ውሽጢ 5‛ መዓልቲ ክፍሊት ክፍፀመሉ ፍቓደኛ ዝኾነ
11. እቲ ኢንተርፕራይዝ ብኽፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፤
Tel NO 0344416727
ድሕሪት