ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ምም/ር ፋይናንሰ ከተማ ሃ/ሰላም ኣብ 2017 በጀት ዓመት 1 ዙር ዕደጋ ዝተፈላለዩ ንብረት ብምድብ/OT/ መቒሉ ማለት እውን LOT- 1- ሃለቕትን ቐወምትን ናይ ፅሕፈት መሳርሒ ኣቑሑት:LOT- 1- ሃለቕትን ቐወምትን ናይ ፅሕፈት መሳርሒ ኣቑሑት: LOT– 3፡- ናይ ኮምፒተር ኣቁሑትን ተዛመድትን /ኤሌክትሮኒክስ/: LOT- 4፡ ናይ መኪና ጎማን ባትርን: LOT- 5፡- ናይ ፅሬት ኣቑሑትን ብብርኪ ክልል ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ምም/ር ፋይናንሰ ከተማ ሃ/ሰላም ኣብ 2017 በጀት ዓመት 1 ዙር ዕደጋ ዝተፈላለዩ ንብረት ብምድብ/OT/ መቒሉ ማለት እውን

ምድብ-1/LOT- 1- ሃለቕትን ቐወምትን ናይ ፅሕፈት መሳርሒ ኣቑሑት፣

ምድብ-2/LOT- 2፦ ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቑሑት

ምድብ-3/LOT– 3፡- ናይ ኮምፒተር ኣቁሑትን ተዛመድትን /ኤሌክትሮኒክስ/

ምድብ-4/LOT- 4፡ ናይ መኪና ጎማን ባትርን

ምድብ-5/LOT- 5፡- ናይ ፅሬት ኣቑሑትን ብብርኪ ክልል ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።

ስለዚ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቋሕታት እተማልኡ ተወዳደርቲ ክትሳተፉ ትክእሉ

1. በቲ ዘርፊ ናይ 2017ዓ/ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ኦርጂናልን ሓደ ኮፒን ከቅርብ ዝኽእል፣

2. ናይ ግብሪ ከፉላይ መለለይ ቑዕሪ TIN ሰርተፊኬት ኦርጂናልን ሓደ ኮፒን ከቅርብ ዝኽእል፣

3. በቲ ዘርፊ ናይ መቕረባይነት ዝተመዝገበ ምኻኑን ናይ 2017ዓ/ም ዝተሓደሰ ምስክር ወረቐት ኦርጂናልን ሓደ ኮፒን ከቅርብ ዝኸእል፣

4. ንተወሳኪ እሴት ታክሲ/VAT ዝተመዝገበ፣ VAT ምዝገባ ሰርቲፊኬትን ናይ መስከረም/2017 ዓ.ም VAT ድክላሬሽን ኦርጂናልን ሓደ ኮፒን ከቅርብ ዝኽእል፣

5. ተጫረትቲ ዝመልእዎ ዋጋ ምሰ ቫቱ ዝሓወሰ ክኸውን ኣለዎ እንተዘይኮይኑ እቲ ዝመልእዎ ዋጋ ሻት ከም ዝሓወሰ ገይርካ ይውሰድ

6. ናይ ሕድሕድ ደኩመንት ኦርጅናልን ኮፒን ብ2ተ ፖሰታ ብሽምዒ ዓሺጉ ከቅርብ ዝኽእል /እትኽእል /ናይቲ ዝሰዓርዎ ድምር ዋጋ 10% ሕጋዊ ዝኾነ ባንኪ ዝፈልጦ ብCPO ውይ ድማ ብጥረ-ገንዘብ ከትሕዝ ዝኽእል /እትኽእል/

7. ኣብቲ ጨረታ ሰዓራይ ዝኮነ ተወዳዳራይ ዝሰዓሮ ንብረት ውዕሊ ካብ ዝኣሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 10' ናይ ስራሕ መዓልቲ ብናይ ባዕሉ መጓዓዝያ ናብ ቤት ፅሕፈትና ስቶር ክፍሊ በቲ ዝተሓተተ ፅሬትን መጠንን ከቅርብ ዝኽእል፣

8. ናይ መወዳደሪ ደኩሜንት ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ፣ ናይቲ ትካል ሽምን ኣድራሻን ፣ ማህተምን ፌርማን ዘለዎ ክኸውን ይግባእ፣

9. ተጫራቲ ንዝተዳለወ ዝርዝር መምርሒ ጨረታን ሰነድ ጨረታን ምድብ-1ን ምድብ-2ን /LOT-1፣LOT-2 / ንዘለዉ ዝርዝር ንብረታት ንሕድ ሕድ ሰነድ ዘይምለስ ብር 200.00/ክልተ ሚኢቲ ብር ጥራሕ/ ምድብ-3ን ምድብ-4ን ምድብ5ን/LOT-3 LOT-4 TOL-5 / ንዘለዉ ዝርዝር ንብረታት ንሕድ ሕድ ሰነድ ዘይምለስ ብር 100.00/ ሓደሚኢቲ ቅርሺ ጥራሕ/ እናኸፈልኩም ካብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምም/ር ፋይናንሰ ከተማ ሃ/ሰላም ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ንብረት  14/02/2017 ዓ/ም ክሳብ  02/03/2017 ዓ/ም ኣብ ዘሎ ግዚያት ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ብኣካል ብምቅራብ ሰነድ ጨረታ ገዚኡ ክወዳደር ይክእል፣/ትኽእል/

10. ተጫረቲ ናይ ጨረታ ውሕስና መኽበሪ ንሕድ ሕድ ሰነድ ጨረታ ምድብ 1 /LOT-1/ ብር 5,000.00/ ሓሙሽተ ሽሕ ብር ጥራሕ/ ምድብ 2 /LOT-2 ብር 10000/ ዓሰርተ ሽሕ ብር ጥራሕ/ ምድብ 3ንምድብ 4ን ምድብ5ን/LOT-3፣ LOT-4 LOT-5 ብር 3000/ ሰለሰተ ሽሕ ብር ጥራሕ /ብሽም ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምም/ር ፋይናንሰ ከተማ ሃ/ሰላም ብCPO ውይ ድማ ብጥረ-ገንዘብ ናብ ዝተዳለወ ናይ ቤትፅሕፈትና ጨረታ ሳንዱቅ ወይ ድማ ጨረታ ቅድሚ ምክፋቱ ከቅርብ ዝኽእል፣

11. እቲ ጨረታ ዕለት 03/03/2017 - ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 4፡00 ንጎሆ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ንሱ ስዓት 4፡30 ንጎሆ ኣብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምም/ር ፋይናንሰ ከተማ ሃ/ሰላም ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ንብረት ምምሕዳርን ቢሮ ቑፅሪ 06 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለውሉ ይኽፈት፡ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ብዘይ ምርካቦም እቲ ጨረታ ንምኽፋት ኣይተኣጓጎልን ።

12. ቤት ፅሕፈትና ነቲ ጨረታ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

13. እቲ ጨረታ ምስተኸፈተ ቤት ፅሕፈትና ናይቲ ዝግዛእ ንብረት መጠን ክሳብ 20% ክቅንስ/ክውስኽ ይክእል እዩ፡፡

14. ሰዓራይ እቲ ዝቕርቦ ንብረት ብበዓል ሞያ ተፈቲሹ ትክክለኛነቱ ምሰተረጋገፀ ጥራሕ ኣታዊ ይኸውን፡፡

15. ንዝበለፀ ሓበሬታ ብቴሌፎን ቑፅሪ 0914284281/0949935704/0914347787 ደዊልካ ምሕታት ዝካኣል ምዃኑ ንሕብር ፡ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምም/ር ፋይናንሰ ከተማ ሃ/ሰላም

ምስ ሰላምታ

ድሕሪት
ጨረታ መደብ