ቤት ፅሕፈት ዘፈር ልምዓት እቶትን ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ወረዳ እንደርታ ኣብ በጀት ዓመት 2017 ዓም በጀት ዓመት ንኣብያተ ፅሕፈት ስራሕቲ ግልጋሎት ናይ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ዕዩ መሳርሒ ፅሕፈትን : ናይ ፅሕፈት ኣቅሑት ፡ መለዋወጢ ኣቅሑት መኪና፡ ኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስን ፡ ኣቅሑት ቢሮን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

1 በዚ ዘፈር ፍቃድ ንግዲ ዝምልክተ ኮይኑ ናይዚ ዓመት ፍቃድ ንግዲ ዝተሐደሰ ግብሪ ዝከፈለን ክክዉን አለዎ

2 ናይ 2017 ዓም ምስክር ወረቀት መቅረባይነት ከቅርበ ዝክእል

3 ናይ ቫት ተመዝገብቲ ናይ ወርሒ ነሐሰ 2016 ሒሳብ ዘቅረብሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል

4 መለለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ ከቅርብ ዝክእል

5 ተጫረቲ ናይ ዝተፈላለያ ኣብያተ ዕዩ  ፅሕፈትን መሳርሒ  : ናይ ፅሕፈት ኣቅሑት ፡ መለዋወጢ ኣቅሑት መኪና፡  ኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስን ፡  ኣቅሑት ቢሮን ስራሕቲን በቢዘፈሩን ዘይምለሰ 50 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ዘፈር ልምዓት እቶትን ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ወረዳ 4 ደብሪ ዝረከብ ቢሮና ብምምፃእ ምዉሳድ ይከኣል

6 ተጫረቲ ኣብ ናይ ፅሕፈት መሳርሒ  : ናይ ፅሕፈት ኣቅሑት  ጨረታ መከበሪ ቢድቦንድ 5000 ቅርሺ፡  ናይ ሕትመት ስራሕቲ : መለዋወጢ ኣቅሑት መኪና፡  ኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስን ፡  ኣቅሑት ቢሮን ስራሕቲን ጨረታ መከበሪ ቢድቦንድ  ናይ ሕድሕድ ድማ 3000 ቅርሺ በቢዘርፉ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ወይ ክዓ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዝ ዝክእል

7 ጨረታ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት 6/2/2017 ዓም ሰነድ ጨረታ ምዉሰድ ዝከኣ ኮይኑ ዕለት 27/3/2016 ዓም ሰዓት 4:00 ጨረታ ተዓሺጉ ብተመሳሳሊ ዕለት 27/2/2017 ዓም ሰዓት 4፡00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4፡30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረክብሉ ይክፈት

8 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ዋና ኣብ ሐደ ፖስታ ቅዳሕ ኣብ ሐደ ፖስታ ነንብይኑ ብምዕሻግ ጠቅላላ ኣብ ሐደ ዓብይ ፖስታ ብምዕሻግ ናብቲ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳንዱቅ ይኣትዉ

9 ናይ ተጨረታ ሙሉእ ኣድራሻ ማህተም ፊርማ ክህልዎ አለዎ

10 ብተወሳኪ ድማ ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ዋናን ቅዳሕን ስርዝ ድልዝ ክህልዎ የብሉን እዚ ንዝገበረ ተጫረቲ እቲ ጨረታ ተቀባልነት ኣይህልዎን

11 እቲ ፖስታ ኣብ ላዕሊ ብዝንበብ ፅሑፍ ዓይነት ዝተገዘአ ሰነድ ክፃሐፈሉ አለዎ

12 ቤት ፅሕፈትና 20 ሚእታዊ ናይ ምቅናስ መሰሉ ሕልዉ እዩ

13 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙለእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ተወሳኪ ሐበሬታ  0342400403

ድሕሪት
ጨረታ መደብ