ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ንቤት ፅሕፈት ምምሕዳር ከተማ መቐለ ግልጋሎታት ዝውዕሉ ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቑሑት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲርና ዕድጊት ክንፍፅም ንደሊ።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ረቡዕ መስከረም 22, 2017 ( ቅድሚ 3 ወርሒ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሶኒ ጥቅምቲ 4, 2017 03:30 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:4,000.00
  • ቦታ: መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:200.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሶኒ ጥቅምቲ 4, 2017 04:00 ቅደሚ ሰዓት
  • መለዋወጢ ኣቁሑት መኪና/
  • ሕትመት
  • ፒዲኤፍ

ዕለት (Date)2 / 3 / 2016 ዓ/ም

ቑፅሪ (Ref.No)) ዕ/ንብ/ምም / 48

ን2 ግዜ ዝወፅአ ምልክታ ጨረታ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ንቤት ፅሕፈት ምምሕዳር ከተማ መቐለ ግልጋሎታት ዝውዕሉ ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቑሑት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲርና ዕድጊት ክንፍፅም ንደሊ። ስለዚ ኣብዚ ጨረታ ክትወዳደሩ እትደልዩ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቓሒታት እተማልኡ ተወዳደርቲ ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈትና ብምውሳድ ንኸትወዳደሩ ንዕድም ።

ተደለይቲ ረቓሒታት

1. ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ንግዲ ስራሕ ፍቃድ፣ ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቁፅሪ ፣ ናይ መቅረባይነት ሰርትፊኬት፣ናይ ቫት ምዝገባ ሰርቲፊኬት፣ ናይ ቀረባ ወርሒ ቫት ሪፖርት ዘለዎምን ከቅርቡ ዝኽእሉን ።

2. መኸበሪ ጨረታ ብር 4,000.00(ኣርባዕተ ሽሕ) ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ(cpo)ወይ ብጥረ-ገንዘብ ወይ ድማ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ናይ ባንኪ ውሕስና ብቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቀለ ስም ከትሕዙ ዝኽእሉ ።

3. ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ እዚ ምልክታ ጨረታ ካብ ዝወፅኣሉ ዕለት ጀሚሮም ኣብ ስራሕ ሰዓት ዘይምልስ 200(ክልተ ሚኢቲ ብር) ብምኽፋል ምውሳድ ይከኣል ።

4. ተጫረቲ መጫረቲ ሰነዶም ሓደ ኦርጅናል ምስ ሓደ ቅዳሕ በበይኑ ብምዕሻግ ከቅርቡ ኣለዎም ።

5. ጨረታ ካብ ዕለት ዕለት 22/01/2017 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ ዕለት04/02/2017 ዓ/ም ዝፀንሕ ኮይኑ በዚ ዕለት ሰዓት 3:30 ተዓፅዩ ሰዓት 4:00 ይኸፈት።

6. ጨረታ ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ቤት ፅሕፈትና ክፍሊ ቁፅሪ 034 ይኸፈት ።

7. ተጫረቲ ኣብ ሕድሕድ ናይ ጨረታ ሰነድ ናይ ድርጅት ማህተም ናይ ዝምልከቶ ኣካል ፌርማን ከዕርፍሉ ይግባእ ።

8. ኣብ ከይዲ ጨረታ ንምዝባዕ ዝፍትኑ ተጫረቲ ካብ ጨረታ ወፃኢ ከም ዝኾኑን ንቀፃሊ ውን ኣብ ናይ ዕደጋ መንግስቲ ከይሳተፉ ከምዝግበርን ካልኦት ኣድለይቲ ስጉምቲታት ምውሳድ ከምዝከኣል ክፈልጡ ይግባእ ።

9. ቤት ፅሕፈትና ድሕሪ ጨረታ ምኸፋቱ 20% ናይ ምውሳኽን ምቅናስን መሰል ኣለዎ ።

10. ዝሓሸ መማረፂ እንተተረኹቡ ብኽፋል ይኹን ሙሉእ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

11. ኣድራሻና ኣግኣዚ ኦፕሬሽን ህንፃ ጥቃ እንዳ ማርያም ጉግሳ ቤተክርስትያን ንርከብ ።

12. ንዝበለፀ መብርሂ ኣብ ስራሕ ሰዓት ናብ ቤት ፅሕፈትና ብኣካል ቀሪብካ ምሕታት ይከኣል ።

0344-406747/0344-408501/0344-406839

ድሕሪት
ጨረታ መደብ