1 ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ 2017 ዓም ዘለዎም ናይ 2016 ዓም ናይ 2017 ዓም ዝተሐደሰ መቅረባይነት መረዳአታ ከቅርቡ ዝክእሉ
2 ናይ ግብሪ ከፋላይ ምስክር ወረቀት መለለይ ቁፅሪ ካፈላይነት ግብሪ /ቲን ናምበር./ ተወሳኪ እሰሴት ታክስ ዝተመዝገቡን ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ናይ ዝሐለፈ ሰለሰተ ወርሒ ወይድማ ጨረታ ምክፋቱ ዘሎ ሐደ ወርሒ ተወሳኪ አሴት ታክስ ማለት እዉን ቫት ዲክላሬሽን ዝገበረሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል
3 ቅድም ክበሉ ናይ ዝተጠቀሱ ረቆሒታት መረዳእታ ዋናን ቅዳሕን ኣብ ነናይባዕሎም ፖስታ ዓሽጎም ከቅረቡ ዝክእልን ብልዕሊ እቲ ፖስታ ነቲ ዋና ዋና ከምእዉን ነቲ ቅዳሕ ቅዳሕ ሰነድ ኢሎም ንክፅሕፍሉ ይግባእ
4 ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 150 ቅርሺ ብምክፋል ክወስዱ ይክእሉ
5 15000 / ዓሰርተ ሓሙሽተ ሽሕ ቅርሺ / ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ናይ ባንኪ ዉሕስና ጥረ ገንዘብ ወይድማ ዝተረጋገፀ ቼክ ወይ እዉን ናይ ክፍሊት ብዘይሰዓር ትእዛዝ ሌተር ኦፍ ክሪዲት ዝቀርብ መከበሪ ዉሕስና ጨረታ ዘቅርቡ
6 ዘይሰዓረ ናጋዳይ ዘትሓዞ መከበሪ ጨረታ ዝምለሰሉ ዝሰዓረ ነጋዳይ ማለት እዉን መቅረባይ ዉዕሊ ድሕሪ ምእሳሩ ይከዉን
7 ሰዓራይ ዝፍለ ነብስወከፈ ዓይነት ኣቅሓ ናይ ዘእትዎ ዋጋ ይከዉን ተወዳደዳር ሰዓራይ ጨረታ ምኮኑ ምስተገለፀሉ ኣብ ዉሽጢ 3 መዓልቲ ቅሬታ ኣቅሪቡ ዉዕሊ ክኣስር አለዎ
8 ሰዓራይ ጨረታ ዝሰዓሮ ንብረት በቲ ዝተወዳደሮ መግለፂንብረት እስፐስፊኬሽን መሰረት ካብ ዉዕሊ ዝኣሰሮ ዕለት ጀሚሩ ብዉዕሊ መሰረት እቲ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ናብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ኣክሱም ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ምምሕዳር ንብረትን ንበረት ክፍሊ ቢሮ ቁፅሮ 8 አታዊ ክገብር ዝክእል
9 ሰነድ ጨረታ ዝርከበሉ ኣብ ምምሕዳር ጥቃ ብት ፅሕፈት ፋይናንስን ከይዲ ስራሕ ዕድጋን ምምሕዳር ንብረትን ቢሮ ቁፅሪ 6 ይከዉን
10 ተጫረቲ ዝመልእዎ ዋጋ ናይ ሐደን ጠቅላላ ዋጋን ብግልፂ ዝንበብ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ኣብ ነብሰ ወከፍ ሰነድ ናይ ነጋዳይ ሽም ፊርማን ማሕተምን ዝዓረፎ ዋናን ቅደሕን ኣብ ነናይ ባዕሎም ፖስታ ብምዕሻግ ናብ ዝተዳለወ ሳንድቅ ጨረታ መሊእኩም ብሽምኩም ወይድማ ወኪልኩም ብዝተዓሸገ ፖስታ ካብ 15/1/2017 ዓም ክሳብ 1/2/2017 ዓም ሰዓት 4:00 ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ምምሕዳር ንብረት ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ምእታዉ ትክእሉ
11 ሳንዱቅ ጨረታ 1/2/2017 ዓም ልክዕ ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ልክዕ ሰዓት 4:30 ቅድሚ ቀትሪ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ኣብ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ምምሕዳር ንብረትን ይክፈት ይኩን ዳምበር ዝድሊ ኩነታት እንተማሊኦም ኣብ ዘየለዉሉ ምክፋት ክምዝከኣል ክፍልጡ ይግባእ
12 ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
13 ኣብቲ ጨረታ 20 ሚእታዊ ምዉሳክ ወይድማ ምንካይ ከምዝከኣል ክንገልፅ ንፈቱ
ንዝበለፀ ሐበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0912005861
ድሕሪት