ኣብ ቤት ፅሕፈት ቤት ማዛጋጃ ከተማ ዓ/ዓዲ ዝርከብ ከይዲ ስራሕ ትልምን በጀት ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ኣብ 2016 በጀት ዓመት ንዝተፈላለዩ ግልጋሎት ዝውዕል ናይ ኤሌክትሪክ ኣቑሕት /ንብረታት/ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ፡-

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ኣብ ቤት ፅሕፈት ቤት ማዛጋጃ ከተማ ዓ/ዓዲ ዝርከብ ከይዲ ስራሕ ትልምን በጀት ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ኣብ 2016 በጀት ዓመት ንዝተፈላለዩ ግልጋሎት ዝውዕል ናይ ኤሌክትሪክ ኣቑሕት /ንብረታት/ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ፡-

ሀ. ናይ ኤሌክትሪክ መሳርሒ

ዕደጋ መፍለዪ ኮደ AAEM/01/2016 ብግልፂ ጨረታ ኣጫሪቱ ብመሰረት ዝቀረበ ንብረት ዝርዝር ከቅርብ ዝክእል ተወዳዳሪ ይዕድም ፡፡

• ተጫረቲ ኣብቲ ጨረታ ንምስታፍ እዞም ስዒቦም ዝተገለፁ ረቛሒታት ከማልኡ ኣለዎም፡፡

1. ናይ 2016 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ

2. ናይ 2016 ዓ/ም ዝተሓደሰ መቅረባይነት ምስክር ወረቀት

3. ግብሪ ከፋሊይ ምዝገባ ሰርትፍኬት/TinN0/

4. ቫት ተመዝጋቢ ዝኾነ፡ ናይ ካልኣይ ርብዒ ዓመት /ጥቅምቲ፣ሕዳር፡ታሕሳስ / ቫት ዲክሌሬሽን

ሪፖርት ዝገበረሉ ምስክር ወረቐት ከቅርብ ዝክእል፡፡

5. ናይ ጨረታ መከበሪ ካብ ዝተፈለጠ ናይ ውሕስና ትካል ወይ ድማ ካብ ባንኪ ብዝተወሃበ

ዝተረጋገፀ መከበሪ ጨረታ CPO ንሕድ ሕድ ብር 50,000 /ሓምሳ ሽሕ/ ከቅርቡ ኣለዎም፡፡

6. ተጫረቲ ናይ ዝተጫረትሉ ዓይነት ንብረታት ጨረታ ካብ ዝሰዓርሉ ኣብ ውሽጢ 10 መዓልቲ ሙሉእ ብሙልእ ናብ ቤት ፅሕፈት ቤት መዛጋጃ ብናይ ባዕሎም ትራንስፖርት ኣታዊ ይገብሩ።

7. ተጫረቲ ኣብ ቤት ማዛጋጃ ከተማ ዓ/ዓዲ ዝርከብ ከይዲ ስራሕ ትልምን በጀት ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ንሓደ ሰነድ ብር 300 /ሰለስተ ሚኢቲ/ ብምክፋል ካብ ዕለት 04/07/2016 ዓ/ም ጀሚሩ ምውሳድ ይክእሉ፡፡

8.ተጫረቲ ዝመልእዎ ዋጋ ጨረታ ሰነድ ሓደ ኦርጅናል፣ሓደ ፎቶ ኮፒን ናይ ጨረታ መኸበርን፣ዝተሓደሰ ንግዲ ስራሕ ፍቃድ፣ዝተሓደሰ መቅረባይነት ምስክር ወረቀት፣ግብሪ ከፋሊይ ምዝገባ ሰርትፍኬት/inN0/ቫት ተመዝጋቢ ዝኾነ፡ ናይ ካልኣይ ርብዒ ዓመት /ጥቅምቲ፣ሕዳር፣ታሕሳስ / ቫት ዲክሌሬሽን ሪፖርት ዝገበረሉ ምስክር ወረቐትን ሰነዳት ኣብ ዝተፈላለዩ ፖስታታት ምስ ዓሸጉ ኩሎም ፖስታት ኣብ ካሊእ ዓብይ ፖስታ ብምዕሻግን ናይቲ ዝተጫረትሉ ዓይነት ንብረት ሽም ኣብ ልዕሊ እቲ ዓብይ ፖስታ ብዝረአ ቀለም ብምፅሓፍ ነቲ ጨረታ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ክሳብ ዕለት 18/07/2016 ዓ/ም ስዓት 4፡00 ንጉሆ ብኣካል ብምምፃእ ከእትዉ ኣለዎም፡፡

9. ተጫረቲ ብቅዳሕ/ኮፒ/ ከቅርብዎ ዝግባእ ዝርዝር ዓይነት ንብረት ዝሓዘ ሰነድ ሓዊሱ ካብ ተሪ ቁፅሪ 1 2 ' 3 4ን 5ን ዝተገለፁ ዶክሜንታት ኣብ ዝተፈላለዩ ክልተ ፖስታታት በበይኖም ዓሺጎም ከቅርቡ ይግባእ፡፡

10. ተጫረቲ ኣብቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ዝቀረቡ ቅጥዕታት ብትክክል መሊኦም፡ ኣብ ሕድ ሕድ ገፅ እቲ ዶክሜንት ከምቲ ክሽየጥ እንተሎ ዝነበረ ከየጓደሉ፣ ብትክክል ክመልኡ ይግባእ፡፡ ስርዝ ድልዝ እንተሃልይዎ ፌርማን ማህተምን ዘይዓረፎን ብትክክል ዘይተመለአን ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ጨረታ ወፃኢ የግብር እዩ፡፡

11. ሰዓራይ መከበሪ ውዕሊ ናይ ዝሰዓረሉ ዋጋ 10 % ካብ ዝተፈለጠ ባንኪ ብሲፒኦ/ CPO/ ከቅርብ ዝክእል፡፡

12.እቲ ጨረታ ኩሎም ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዝተረከብሉ ዕለት 18/07/2016 ዓ/ም ሰዓት 4፡00 ናይ ንጎሆ ተዓዕዩ በቲ ዕለት ንሱ ልክዕ ሰዓት 4፡30 ናይ ንጎሆ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቤት ማዛጋጃ ከተማ ዓ/ዓዲ ዝርከብ ከይዲ ስራሐ ትልምን በጀት ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን እቲ ጨረታ ይክፈት፡፡

13. እቲ ቤት ዕሕፈት /ከይዲ ስራሕ/ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብሙሉእ ወይ ድማ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡

14. ተወሳኪ ሓበሬታ ንምርካብ ናብ ቤት ፅሕፈት ቤት ማዛጋጃ ከተማ ዓ/ዓዲ ዝርከብ ከይዲ ስራሐ ትልምን በጀት ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ብኣካል ብምቅራብ ወይ ድማ ብቁፅሪ ስልኪ 09 14 02 66 11/ 09 14 15 53 52 ብምድዋል ምርካብ ይከኣል፡፡

ቤት ፅሕፈት ቤት ማዛጋጃ ከተማ ዓብይ ዓዲ

ድሕሪት
ጨረታ መደብ