ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ናይ ራውተርን ስውችን ኣቑሑ ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለ ዝደለየ ክትጫረቱ እትደልዩ ሲዒቡ ተዘርዚሩ ዘሎ ረቋሒታት እተማልኡ ትካላት ንክትወዳደሩ ይዕድም፡፡

ን2 ጊዜ ዝወፀ ምልክታ ጨረታ

ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ናይ ራውተርን ስውችን ኣቑሑ ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለ ዝደለየ ክትጫረቱ እትደልዩ ሲዒቡ ተዘርዚሩ ዘሎ ረቋሒታት እተማልኡ ትካላት ንክትወዳደሩ ይዕድም፡፡

1. ተጫረቲ ናይ ግብሪ ከፋላይ መፍለይ ቁፅሪ /TN ከቕርቡ ዝኽእሉን ከምኡ እውን ናይ 2016 ዓ.ም ሕጋዊ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለኩም፣ ቫት ተመዝገብቲ ምዃንኩም መረዳእታ ክተቕርቡ ኣትኽእሉ፣

2. ተጫረቲ ካብ ዘቕርብዎ ጠቕላላ ዋጋ ካብ 2% ዘይነኣሰ ናይ ጨረታ መኸበሪ ሕጋውነቱ ዝተረጋገፀ CPO ብፖስታ ዓሺጎም ከቅርቡ ይግባእ፡፡

3. ተወዳደርቲ እቲ ንብረት ናይ ምቅራብ ፍቃድ ዘለዎም ምዃኖም መረዳእታ /ናይ መቅረባይ ሰርቲፊኬት/ ከቅርቡ ኣለዎም።

4. ተወዳደርቲ ካብ ዝምልከቶ ሕጋዊ መፍረይ ትካል ወይ ወኪል ናይ ማፍ (Manufacturer's Authorization Letter) ናይ ምቅራብ ግዳታ ኣለዎም።

5. ናይ ጨረታ ዶክመንት ቴክኒካልን ፋይናንሻልን ኣብ ነናይ ባዕሎም ፖስታ ብምዕሻግ ኣብ ዝባኖም ቴክኒካል ዶክመንትን ፋይናንሻል ዶክመንትን ዝብል ፅሑፍ ምስተገበረሉ ኣብ ሓደ ዓብይ ፖስታ ተዓሺጉ ናብ ጨረታ ሳንዱቕ ዝኣቱ ኮይኑ መጀመሪያ ቴክኒካል መመዘኒ ዝሓዘ ፖስታ ተኸፊቱ ቴክኒካል መመዘኒ ዝሓለፉ ተወዳደሪቲ ምስተፈለዩ ፋይናንሻል መግለፂ ወይ ዝርዝር ዋጋ ዝሓዘ ፖስታ ተከፊቱ ብናይ ክልቲኡ ድምር መሰረት ተገይሩ ውፅኢት ዝግለፅ ይኸውን።

6. ዝርዝር ዝሓዘ ደኩመንት ካብ ዕለት 06/07/2016 ዓ.ም ጀሚሩ ካብ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ማይክሮ ፋይናንስ ጨንፈር መቐለ ቁ.2 ብብር 50/ሓምሳ ብር ጥራሕ ብምኽፋል ኣብ ስራሕ ሰዓት ክትወስዱ ትኽእሉ፣

7. ናይ ጨረታ ደኩመንት ብፖስታ /ሽምዒ/ ዝተዓሸገ ኾይኑ ናብ ጨረታ ሳንዱቕ ኣታዊ ዝኾነሉ ካብ ዕለት 06/07/2016 ዓ.ም እስካብ ዕለት 16/07/2016 ዓ.ም ሰዓት 4፡00 ናይ ንጉሆ ኾይኑ ጨረታ ዝኸፈተሉ ዕለት በቲ ዕለት ሰዓት 4፡30 ናይ ንጉሆ ተጫረቲ ወይ ወኪሎም ኣብ ዝተረኸብሉ ብኣባላት ጨረታ ኮምቴ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ኣብ ቤት ፅሕፈት ዋና ቢሮ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ይኸፈት፡፡ ተጫረቲ ወይ ወኪላት ብኣካል እንተዘይተረኸቡ እውን እቲ ጨረታ ዝኸፈት ይኸውን፡፡

8. ናይ ጨረታ ሰዓራይ ውፅኢት ምስተፈለጠ ካብ ጠቕላላ ዋጋ 10% ናይ ስራሕ ኣፈፃፅማ ውሕስና /unconditional Perfomance bond/ ከትሕዝ ዝኽእል፣

9. ናይ ጨረታ ሰዓራይ ውፅኢት ምስተገለፀ ኣብ ውሽጢ ተኸታተልቲ 5 መዓልትታት ናብ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ክፍሊ ዕደጋን ንብረት ምምሕዳርን ዋና ቢሮ ቐሪቡ ውዕሊ ክኣስር ኣለዎ።

10.ተጫረቲ ትካል ካብ ዘቕረቦ ስፐስፍኬሽን ወፃኢ ከቕርቡ ኣይፍቀድን

11.ትካል ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፣

12.ተወሳኺ ሓበሬታ እንተድልዩ ኣብ ዋና ቢሮ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ሳልሳይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 307 ብኣካል ብምቕራብ ምርካብ ይካኣል እዩ፡፡

ስ +251-34 4410250/418281

E-mail decsi@ethionet.et

ድሕሪት
ጨረታ መደብ