ማሕበር ልምዓት ትግራይ ንግልጋሎት ቤት ፅሕፈት ዝውዕሉ መለዋወጢ ኣቑሑት (ስፔር ፓርት) ተወዳደርቲ ብምዕዳም ብፕሮፎርማ ክዕድግ ይደሊ፡፡
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ዓርቢ ታሕሳስ 19, 2016 ( ቅድሚ 9 ወርሒ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሰሉስ ታሕሳስ 23, 2016 08:30 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:--
  • ቦታ: መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:--
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰሉስ ታሕሳስ 23, 2016 09:00 ደ/ሰዓት
  • መለዋወጢ ኣቁሑት መኪና/
  • ሕትመት
  • ፒዲኤፍ

ዝለዝኾነ ድማ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቛሒታት እተማልኡ ተወዳደርቲ ንክትሳተፉ ይዕድም፡፡

1. ናይ 2016 ዓ.ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ፣

2. መለለዪ ንግዲ ፍቓድ (Tin Number) ምስ ንግዲ ፍቓድ ፎቶ ኮፒ፣

3. ቫት ወይ II ተመዝገብቲ ዝተመዝገብሉ መረዳእታ ናይ ጥቅምቲ ወርሒ 2016 ዓ.ም ዲክላራስዮን ከቕርቡ ዝኽእሉ፣

4. ዝተሓደሰ ምዝገባ መቕረባይነት 2016 ዓ.ም ከቕርቡ ዝኽእሉ፣

5. ካብ እስፐሲፍኬሽን ወፃኢ ስርዝ ድልዝ ኣይፍቀድን፣

6. እዚ ፕሮፎርማ ስዒርካ ምስ ተብሃለ ኣብ ውሽጢ 3 መዓልቲ እቲ ዝድለ ንብረት ኣታዊ ክገብር ዝኸእል፣

7. እቲ ዋጋ ክምላእ ከሎ ምስ ቫቱ ምዃኑን ዘይምዃኑን ብንፁር ክቕመጥ ኣለዎ፡፡ ብንፁር እንተዘይተፈሊጡ ምስ ቫቱ ከምዝተመልኣ ተሓሳቢ ይግበር፡፡

8. ኣብቲ ናይ ፕሮፎርማ ሰነድ ሙሉእ ሽምን ማህተምን እቲ ትካል ክጥቀስ ይግባእ፣

9. ማ.ል.ት እቲ ፕሮፎርማ ብሙሉእ ይኹን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰለ ዝተሓለወ እዩ፣

10. እዚ ፕሮፎርማ ዕለት 23/04/2016 ዓ.ም ሰዓት 8፡30 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 9:00 ኣብ ቤት ፅሕፈት ማ.ል.ት ይኸፈት፡፡

ድሕሪት
ጨረታ መደብ