ማእኸል ቤት ህንፀት ዓብይ ዓዲ ኣብ በጀት ዓመት 2013 ዓ/ም ዝተበጀተሉ በጀት መሰረት ብምግባር ንሕጊ ተሃነፅትን ቆፆሮ እሱራትን ክምግብ ስለ ዝደለየ ንሕጋዉያን ነጋዶ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ዉዕሊ ክኣስር ክምገብ ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሰሉስ ሓምለ 21, 2012 (ልዕሊ 3 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሰሉስ ነሓሰ 12, 2012 03:30 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:15,000
  • ቦታ: ዓ/ዓዲ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰሉስ ነሓሰ 12, 2012 04:00 ቅደሚ ሰዓት
  • ኣቅርቦት ምግቢ / ካፌን ሬስትራንትን/
  • ሕትመት
  • ፒዲኤፍ

ተጫረቲ ከማልእዎም ዝግባአ ረቋሒታት

1 በቲ ዘፈር ናይ 2012 ዓ/ም ዝተሐደሰ ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ ዘለዎም ናይ ዘመኑ ግብሪ ዝኸፈልሉ ኣብ ናይ መቅረብቲ ዝርዝር ዝተመዝገቡ፤

2 ተወሳኺ እሴት ታክስ ዝተመዝገቡ ምኻኖም መረዳእታ ዘቅርቡን ናይ ኸፋሊ ግብሪ መለለይ ቁፅሪ (Tin Number) ከቅርቡ ዝኽእሉ፤

3 ናይ ወርሒ ሓምለ 2012 ዓ/ም ሒሳብ ዘፍለጥሉ መረዳእታ ከቅርቡ ዝኽእሉ

4 ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ዘይምለሰ 50.00 ቅርሺ ብምኽፋል ካብ ደጋፊ ስራሕ ከይድን ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረት ማእኸል ቤት ህንፀት ዓብይ ዓዲ ምውሳድ ይኽእሉ

6 ተጫረቲ ዝተጫረትሉ መወዳደሪ ዋጋ ብዘይ ስርዝ ድልዝ መሊኦም ብንፁር ስምን ኣድራሻን ፊርማን ማህተምን ገይሮም ፋይናንሻልን ቴክኒካልን በብበይኑ ኣብ 2 ፖስታ ዓሺጎም ሕድሕድ ሰነድ ዋናን ቅዳሕን ተማሊኦም ኣብ ደጋፊ ከይዲ ስራሕን ዕደጋን ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ማእኸል ቤት ህንፀት ዓብይ ዓዲ ንጨረታ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ከእትው ኣለዎም ።

7 ተጫረቲ ጨረታ ካብ ዝሰዓርሉ ዕለት ጀሚሮም ኣብ ውሽጢ 5 ናይ ስራሕ መዓልቲ ሕጋዊ ውዕሊ አሲሮም መኸበሪ ውዕሊ 10% ብጥረ ገንዘብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ከድሕዙን ዝኽእሉን ተጫረቲ ዝሳዓርዎ ንብረት ብናይ ባዕሎም መጓዓዝያ ናብ ማእከል ቤት ህንፀት ዓብይ ዓዲ ከቅርቡ ኣለዎም

8 ከይዲ ጨረታ ኣብ ኣየር ዝፀንሐሉ ገዜ 21/11/2011-12/12/2012ዓ/ም ሰዓት 3:30 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት 4:00 ቅድሚ ሰዓት ይኽፈት።

9 ተጫረቲ ንመኸበሪ ጨረታ ዝምለስ 15000.00 ሽሕ ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብባንኪ ዝተረገገፀ ሲፒኦ ማለት እውን ቼክ ክትሕዙ ኣለዎም ።

10 ጨረታ ብዘይኣግባብ ንምዝባዕ ዝፈተኑ ስጉመቲ ንወስድ ኾይንና ከምኡውን ዘድሐዝዎ ገንዘብ ዝውረስ ምኻኑ ክፈልጡ ኣለዎም፡፡

11 ኣብ እዋን ጨረታ ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ክቀርቡ ኣለዎም እንተዘይቀሪቦም ጨረታ ዘይተአጓገል ወይድማ ዘይቃረፅ ምኻኑ ንሕብር፡፡

12 እዚ ጨረታ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ይኹን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡

ንተወሳኺ ሐበሬታ ብኣካል መፂኦም ወይድማ

በቁፅሪ ስልኪ 0345-599938/ 0914-154817 /0914 00 95 99ደዊልካ ምሕታት ይከኣል፡፡

ድሕሪት
ጨረታ መደብ