ምልከታ ጨረታ
ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ኮረም ንምምሃር ምስትምሃርን ምምሕዳር ስራሕቲ ግልጋሎት ዝዉዐሉ ብግልፂ ጨረታ ስዒቦም ዝተዘርዘሩ ንብረት ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ::
ህናፃ መሳረሒ
ፅሐፈት መሳረሒ
ኤሌክትሮኒክስን ኣቕሑት
ኤሌክትሮኒክስ ኣቕሑት
ተጫረቲ ክተማልእዎ ዝግብአኩም ረቆሒ
1 ቫት ተመዝገብቲ ዝኾነኩም::
2 ናይ ዘመኑ ግብሪ ከፊልኩም ናይ 2007 ዓ/ም ዝተሐደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለኩም::
3 ናይ መቀረባይነት ሰርተፊኬት ዝተሐደሰ ዘለኩም::
4 ናይ ቲን መረዳአታ ዘለኩም::
5 መኽበሪ ጨረታ ንህ መሳረሒ 10000. 00 /ዓሰረተ ሽሕ / ንፅሕፈት መሳርሒ : ኤሌክተሪሲቲን ኤሌክትሮኒክስ ንሕድሕዶም 5000/ ሓሙሽተ ሽሕ / ብሲፒኦ ወይ ብጥረ ገንዝብ ከተትሕዙ እትክእሉ
6 ዝሰዓርክምዎ ንብረት ዉዕሊ ካብ ዝአሰረክምሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ ዓሰረተ መዓለቲ ናብ ኮሌጀና ንብረት ናብ ኮሌጅና ንብረት ክፈሊ ብናይ ባዕልኹም ትራንስፖርት ምቐራብ እትኽእሉ::
7 ናይ ቀረባ ወርሓዊ ሒሳብኩም ዘወራረድኩም/ ዲክለር ዝገበርኩም መረዳአታ ዘለኩም::
8 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ናይ ህንፃ መሳርሒ 40.00 / ኣርብዓ ብር/ ናይ ፅሕፈት ኤሌክትሪክሲቲን ኤሌክትሮኒክስ 30.00 / ሳላሳ ብር / ዘይምለስ እናኸፈለኩም ኩሉ ሻዕ ብስራሕ ሰዓት ካብ ዕለት 04/ 06/ 07 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 18/ 06 /07 ዓ/ም ካብ ኮሌጀና ቢሮ ቁፅሪ 5 ንኡስ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋ ብምዉሳድ ብዝተዓሸገ ኢንቨሎፕ ብምግባርን ነዚ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቕ ኣታዊ ትገብሩ ትኽአሉ::
9 እቲ ናይ ጨረታ ሳንዱቕ ብዕለት 18 /06 /07 ዓ/ም ሰዓት 4:30 ተዓሺጉ ብተመሳሰሊ ዕለት ሰዓት 5:00 ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ተወከልቶም ብዘለዉዎ ይኸፈት::
10 ናይ ዉዕሊ መኽበሪ ካብ ዘሸነፍኩምዎ ጠቅላላ ዋጋ 10 ሚእታዊ ብስፒኦ ክትትሕዙ ይግባእ::
11 ኮሌጀና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብኽፋል ወይ ድማ ብምሉእ ናይ ምስራዝ መሰል አለዎ
Backs