ምልክታ ጨረታ
ሆስፒታል ኮረም ከ/ስ/ዕ/ፋ/ን/ምምሕዳር ንሆስፒታል ዘድልዩ ዝተፈላለዩ መድሓኒትን ናዉቲ ሕክምናነ ብዘርፉ ስራሕ ጅምላ መድሓኒትን ናዉቲ ሕክምና መከፋፈሊ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድን ካብ ዘለዎም ነጋዶ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክገዝእ ይደሊ:: በዚ መሰረት
ተጫረቲ ከማልእዎ ዝግባእ ረቁሓ
በቲ ዘፈር ስራሕ ናይ ዘመኑ ግብሪ ከፊሎም ንግዲ ፍቃድ ዘለዎምን ናይ 2007 ዓ/ም ዝሐደሱ::
በቲ ዘፈር ስራሕ ዝመዘገበሉ ቲነ ናምበር ከቅርብ ዝክእሉ::
ናይ ብቅዓት መረጋገፂ መረዳእታ ሰርትፊኬት ዘለዎን ከቅርብ ዝክእሉ::
ናይ መቅረባይነት መረዳእታ ሰርትፊኬት ዘለዎን ከቅርብ ዝኽእል::
እቲ ሰነድ ጨረታ ብሐደ ኦርጅናልን በዘተአሸገ ሰምዒ ፖስታ ከቅርብ ዝኽእልን::
ጨረታ ኣሸናፊ ዝኮነ ኣካል ዉዕሊ ከኣስር ዝክእል::
መክበሪ ተጫረቲ ብር 3000.00 ብጥረ ገንዝብ ወይ ብሲፒኦ ከትሕዝ ዝኽእል :;
እቲ ሰነድ ጨረታ ካብ ዕለት 13/ 05 /2007 ዓ/ም ክሳብ 25/ 05/ 2007 ዓ/ም ክሳብ ሰዓት 4:00 ሰነድ ጨረታ ምዉሳድ ይካአል እቲ ጨረታ ሰዓት 4:30 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ሰዓት 5:00 ተጫረቲ/ ሕጋዊ ወከልቶም አብዝተረኸብሉ ይኽፈት ::
መግዝኢ ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ ብረ 20.00 ብኽምፋል ምዉሳደ ይከኣል:;
ኩሎም መቅረብቲ ሰነድ ጨረታ ኣቀዲሞም እንተኣቅሪቦም ሰነድ ጨረታ ዝኽፈተሉ ዕለትን ሰዓትነ ብምለጣፈን ብምድዋልን ዝግለፅ ኮይኑ ኣብ መቐለ ከተማ ማሕበራት ንግዲ ቤት ምክሪ ይኽፈት::
ተጫረቲ ወይ ተወከልቶመ በዘይምረካቦም ዘይኽፈተ ሰነደ ጨረታ አይህልዉን::
ጨረታ ካብ ዝተከፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ኣሸናፊ ምኻኑ ምስፈለጠ ንዘሸነፎ ዓይነት መድሓኒተ ናዉቲ ሕክምናነ ኣብ ዉሽጢ 4 መዓልቲ ከረክብ ዝክእል::
ሆስፒታልና ዝሐሸ መማረፂ እነተረኪቡ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::
ተወሳኪ ሓበሬታ 0914 75 12 09 /0914091392