ደደቢት ትካል ልቃሕን ዕቀርን /ደደቢት ትፈልም/ ንዋና ቢሮ ቀለም ንምቅባእን መስታወት ንምሕፃብን ኣጫሪቱ ከስርሕ ስለዝደና ክትጫረቱ እትደሊዩ እዚ ዝስዕብ ረቁሓ ተማልኡ ክትወዳደሩ ትክእሉ ምካንኩም ንገልፅ::
ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም ናይ 2007 ዓ/ም ግብሪ ዝከፈልኩም ምካንኩም ብተወሳኪ ቫት ዝተመዝገብኩም ምካንኩም ዝገልፅ መረዳታ ክተቅርቡ ይግባእ::
ተጫረቲ ካብ ዝቐረብዎ ጠቕላላ ዋጋ 2% ናይ ጨረታ መወሰኒ መክበሪ ቢድ ቦንድ ሕጋዉነቱ ዝተረጋገፀ CPO ጥራሕ ከትሕዝ ዝክእል::
ናይ ጨረታ መክበሪ ካብቲ ዝወዳደሮ ጠቕላላ ዋጋ 2% ዝነአሰ ዘትሐዘ ተጫራታይ ካብ ጨረታ ዝስረዝ ምካኑ::
ጨረታ ዝሰዓረ ናብ ዋና ቢሮ ደደቢት ትካል ልቃሕን ዕቀርን መፂኡ ከረክብ ዝክእል::
ናይ ጨረታ ዶክመንት ብፖስታ ሽም ዝተዓሸገ ናይ ቢሮ ጨረታ ሳንዱቅ አታዊ ዝግብርሉ እዚ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት 28/ 04 /2007 ዓ /ም ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 07/ 05 /2007 ዓ /ም ክሳብ ድሕሪ ሰዓት 11:00 ዘሎ ጊዜ ይክዉን::
ጨረታ ዝክፈተሉ ዕለት 08/ 05 /2007 ንጉሆ ሰዓት 3:00 ቦታ አብ ደደቢት ትፈልም ዋና ቢሮ ተጫረቲ ብአካል ወይ ሕጋዊ ወኪሎም አብ ዝተረኽቡሉ ይክዉን::
ዝርዝር ናይ ሕድሕድ ዝገልፅ ዶክመንት ካብ ቤት ፅሕፈት 50 ብር እናዓደግኩም ምውሳድ ይከኣል
እቲ ትካል ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብከፋል ወይ ድማ ብሙሉአ ናይ ምስራዝ መብቱ ዝተሐለወ እዩ