ምልከታ ጨረታ
ቢሮ ሐለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ንቢሮና ግልጋሎት ዝዉዕል ፅሕፈት መሳርሒን ኤሌክትሮነከስን ፅሬት ኣቁሑትን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ስል ዝደለየ ተወዳደረቲ ይዕድም::
ተጫረቲ ከማልእዎ ዝግባእ ረቆሒ
1 ናይ ዘመኑ ናይ መንግስቲ ግብሪ ዝኸፈልኩምን ንግዲ ፍቓድ ዘሐደስኩምን::
2 ናይ ግብሪ ከፈልቲ ቑፅሪ ቲን ምምዝጋበኩም መረዳእታ ክተቕርቡ ትኽእሉ::
3 ቫት ምምዝጋብኩምን ወርሓዊ ድክለረሽን ዝገበርኽሙሉ መረዳእታ ክተቕርቡ ትኽእሉ::
4 ብመቕረባይነት ዝተመዝገብኩምን መረዳእታ ክተቕርቡ ትኽእሉ::
5 መኽበሪ ጨረታ ንፅሕፈት መሳርሒ ብረ 10,000 ስፒኦ/CPO/ ኾይኑ ንፅሬት ኣቁሑት ብር 5,000 ስፒኦ/CPO/ ንኤሌክትሮኒክስ ብር 3,000 ብ ስፒኦ/CPO/ ከትሕዙ እትክእሉ::
6 ናይ ጨረታ ሰነድኩም ብሰምዒ ብዝተአሸገ ኤንቨሎፕ ሓደ ዋንኡን ሓደ ቕዳሕን ነዚ ጨረታ ተባሂሉ ናብ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳንዱቕ ኣብ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋ ቢሮ ቑፅሪ 3 አብ ናይ ቢሮ ሰዓት ምእታዉ ትኽእሉ::
7 እቲ ጨረታ ካብ ታሕሳስ 16/ 2007 ዓ/ም ጀሚሩ ን 15 መዓልቲ አብ አየር ዝፀንሕ እንትኸዉን ጥሪ 01/ 2007 ዓ/ም ቅድሚ ሰዓት 3:00 ተዓፅዩ በዚ ዕለት ሰዓት 3:30 ይኽፈት::
8 መሸነፊ ትካል ብዝተዉሃበ ስፐስፊኬሽን መሰረት ዘቕርብ መወዳደሪ ዋጋ ቫት ሓዊሱ ከቕርብ ይግባእ አብ መወዳደሪ ዋጋ ቫት ከይሓወሰ ዘቕረበ ተጫራታይ ቫት ከም ዝሐወሰሉ ይዉሰድ::
9 ተጫራታይ ብስፐስፌኬሽን መሰረት ጥራሕ ከቅርብ ዝኽእል ኾይኑ መሸነፊ መቕረባይ ትካል ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ናብ ቢሮ ሐለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ኣታዊ ይገብር::
10 መሸነፊ መቕረባይ ትካል ዉዕሊ ካብ ዝአሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 15 መዓልቲ አታዊ ይገብርን ዉሕሰና ንዝድልዩም ኣቑሑት ድማ ዉሕሰና ከቕርብ ዝኽእል::
11 ነዙይ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ከይዲ ዕዳጋ ቢሮ ቑፅሪ 3 ዘይምለስ ንፅሐፈት መሳርሒ ንፅሬት አቅሑት ብር 30. 00 ብክፋል ምዉሳድ ትኽእሉ::
12 ቢሮ ሐለዋ ጥዕና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብምሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰል አለዎ::
ንተወሳኪ ሐበሬታ ቢሮ ሐለዋ ጥዕና ክ ትግራይ ስቁ 251 03 44 40 04 51: 0348409782 ምድዋል ይከአል::
Backs