ማሕበር መናአሰይ ትግራይ ንቤት ፅሐፈትና ግለጋሎት ዝዉዕሉ ናይ መኪና ጎማ /ብሪጅስቶን/ 7.50R16Lt ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክገዝእ ይደሊ ::ስለዚ ኣብዙይ ክትወዳደሩ ዝተደሊዩ ሕጋዉያን ነዚ ዝስዕብ ረቆሒ እተማልኡ ንዕድም::
ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለይ ቑፅሪ /ቲን ናምበር ዘለዎ ዘይምለስ ፎቶ ኮፒን ዘቕርብ::
ዝተሐደሰ መቕረብነት መለለይ ካርድ ዘለዎን ዘይምለስ ፎቶ ኮፒን ዘቕርብ::
ናይ መኪና ጎማ /ብሪጅስቶን/ 7.50R16Lt ተወዳደርቲ ዝኾንኩም ቫት ዝተመዝገብኩም ናይዚ ወርሒ እዚ ድክለሬሽን ዝገበርኩምሉ መረዳእታ ክተቕርቡ እተክአሉ::
መክበሪ ጨረታ ብረ 2000.00 ስፒኣ ሕጋዉነቱ ካብ ዝተረጋገፀ ባንኪ ናብ ናይ ጨረታ ሳንዱቕ ምሰቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ከእቲ ዝክእል::
ጨረታ ዝጋወሐሉ ዕለት 02/03/2007 ዓ/ም ኮይኑ ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 11/03/2007 ዓ/ም ሰዓት 9:00 ተዓሺጉ በቲ ዕለት ልክዕ ሰዓት 9:30 ባዕሎም/ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዘለዉሉ ኣብ ማሕበር መናእሳይ ትገራይ ይኽፈት::
ሰነድ ጨረታ ካብ ማሕበር መናእሰይ ቢሮ ቑፅሪ 14 ፍ/ን/ምም/ዳርን ብር 20 እንኸፈልኩም ኣብ ስራሕ ሰዓት ክተወስዱ ከም እትከአሉ እናገለፅና ካብ ሎሚ ዕለት 02/03/2007 ክሳብ ዕለት 11/03/2007 ሽም "ኣድራሻ ፌርማ "ማህተምን ብመግባር ነዚ ተባሂሉ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ብዘተዓሸገ ፖስታ ናይ ቢሮ ቑፅሪ 14 አታዊ ይግበሩ::
አሸናፊ ዝኮነ ነጋዳይ ንዘሸነፎ ዓይነት ንበረት ብናይ ባዕሉ መጎዓዓዝያ መ/ቤትና ኣምፂኡ ከረክብ ዝከአልን እቲ ንብረት በቲ ዝወፀ እስፐስፊኬሽን መሰረት ትክከለኛ ምኮኑ ምሰተረጋገፀ ኣታዊ ገይሩ ገንዘብ ዝወስድን ::
መክበሪ ዉዕሊ 10% ካብ ዘሸነፎ ዓይነት ንበረት ብCPO ክተሕዝ ዝከአልን ኣብ ዉሽጢ 2ተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ዉዕሊ ዝአስርን::
ካብቲ ዝፍፀም ግዝኢት 20% ምዉሳኽን ምቕናስን ዝከኣል ምኮኑ::
አብዚ ጨረታ ከጭበርብር ዝሞከረ ነጋዳይ ካብ ጨረታ ዉጭ ከም ዝከዉን ንጨረታ መኸበሪ ዘትሐዞ ገንዘብ ናብ ካዝና ኣተዊ ኮይኑ ኣብ ካልኣት ጨረታ ከምዘይሳተፍን ብሕጊ’ ዉን ተሐታቲ ምኮኑ ክፈልጥ አለዎ::
ልዕሊ 10,000 /ዓሰርተ ሽሕ ብር / አሸናፊ ዝኮነ ነጋዳይ 2% ዊዝሆልዲንግ ዝኸፍል ::
መኽበሪ ጨረታ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዜ 2ተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ይኸዉን ::
ዉዕሊ መክበሪ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ብተከታታሊ 30 መዓልቲ ይኸዉን::
መ /ቤትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብመሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምሰራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::