ኣላማጣ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ን ሆስፒታሉ ግልጋሎት ዝዉዕሉ ናይ ህንፃ ኣቑሑ ኣልሙንየም: ዝተፈላለዩ ጣዉላን ዉፅኢት ጣዉላን : ሰንሰለት (ቸይን) :ብረት ትቦላር ካልኦት ኣቑሑት ካብ ሕጋዊ ነጋዶ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክገዝእ ይደሊ :: በዚ መሰረት ካብዚ ንታሕቲ ዝተቐመጠ ረቑሒ ተማልኡ ነጋዶ ንክትወዳደሩ ይዕድም
  • የተለቀቀበት ቀን: ሓሙስ ነሓሰ 7, 2007 (ከ 9 ዓመታት)
  • መዝግያ ቀን: ሰሉስ ነሓሰ 19, 2007 06:00 ከሰአት (ተዘጋ)
  • የጨረታ ማስከበርያ ዋጋ:0.00
  • ቦታ: ኣላማጣ
  • የጨረታ ደኩመንት ዋጋ:0.00
  • ጨረታ ሚከፈትበት ቀንና ሰዓት: ሰሉስ 5, 2005 06:00 ከሰአት
  • ኮንስትራክሽን ጥረ ኣቁሑት/
  • Print
  • Pdf

ግልፂ ጨረታ

ኣላማጣ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ን ሆስፒታሉ ግልጋሎት ዝዉዕሉ ናይ ህንፃ ኣቑሑ ኣልሙንየም: ዝተፈላለዩ ጣዉላን ዉፅኢት ጣዉላን : ሰንሰለት (ቸይን) :ብረት ትቦላር ካልኦት ኣቑሑት ካብ ሕጋዊ ነጋዶ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክገዝእ ይደሊ :: በዚ መሰረት ካብዚ ንታሕቲ ዝተቐመጠ ረቑሒ ተማልኡ ነጋዶ ንክትወዳደሩ ይዕድም

ተጨረቲ ከማልእዎ ዝግባእ

1 በቲ ዘፈር ናይ 2007 ዓም ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ: ቫት ተመዝገብቲ: ቲን ነምበር: ናይ ዝተሐደሰ መቅረባይነት ሰርቲፌኬት

2 መክብሪ ጨረታ ሰነድ 5000 (ሓሙሽተ ሽሕ )ብር ብባንኪ ዝረተጋገፀ CPO ወይ ጥረ ገንዘብ ከትሕዝ ዝኽእል

3 ሰዓራይ ምካኑ ምስ ፈለጠ አብ ዉሽጢ 5+ መዓልቲ ዉዕሊ ክኣስርን ናይ ዝሰዓረሉ ጠቅላላ ዋጋ   10% ናይ ዉዕሊ መክበሪ ብባንኪ ዝተረጋገፀ CPO ከትሕዝ ከምዘለዎ

4 ዉዕሊ ካብ ዝአሰረ ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 10 መዓልቲ ኣብ አላማጣ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ንብረት ክፍሊ ኣታዊ ክገብር ከምዘለዎ

5 ሰነድ ጨረታ ካብ ዕለት 05/12 /2007 ዓ/ም ክሳብ 19/12/ 2007 ዓ/ም አብ ናይ ስራሕ ሰዓት ኣብ አላማጣ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን 50 ብር ብምክፋል ይወስዱ

6 እቲ ጨረታ ዕለት 19/12/2007 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 8:30 ድሕሪ ቐትሪ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ልክዕ ሰዓት 8:45 ድሕሪቐትሪ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም አብ ዝተረኸብሉ አብ አላማጣ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ይኽፈት

7 ካብቲ ዘሸነፍዎ በዝሒ ንብረት 20% ምዉሳክ ወይ ምቅናስ ይከኣል

8 ሆስፒታልና ዝሐሸ መማረፂ እነተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙለእ ይኵን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

9 ንትወሳኪ ሐበሬታ ብ ስልኪ ቁፅሪ 03 48 74 01 52/01 38 ምሕታት ይክእሉ

 

 

መመለስ
የጨረታ ምድብ