ምልክታ ሊዝ ጨረታ ዙር ጨረታ 9ይ ዙር ዓይነት ጨረታ መደበኛ ናይ ከተማ ዛላንበሳ ም/መ/ምሕደራን ናይ ከተማ ቦታ ብሊዝ ብዛዕባ ምሓዝ ብዝደንጎጎ ኣዋጅ 5/2007 መሰረት ንመንበሪን ንንግዲን ዝተዳለወ ቦታ ብግልፂ ጨረታ ንተጠቀምቲ ከመሓላልፍ ይደሊ፡፡ ብምዃኑ ክጫረት ዝደሊ ዝኮነ ሰብ እዚ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ካብ ሎሚ ዕለት 13/07/2011ዓ/ም ጀሚሩ ናይ ጨረታ ሰነድ ዘይምለስ ብር 150.00 ብምክፋል ምግዛእ ዝክእሉ ምዃኖም ነፍልጥ፡፡
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ቀዳም መጋቢት 14, 2011 (ልዕሊ 5 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሶኒ መጋቢት 23, 2011 11:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:5%
  • ቦታ: መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:150.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰሉስ መጋቢት 24, 2011 03:00 ቅደሚ ሰዓት
  • መሬትን ሊዝን/
  • ሕትመት
  • ፒዲኤፍ

1 ተጫረቲ ዘትሕዝዎ ናይ መከበሪ ትሕጃ 5 ሚኢታዊ ካብ ናይ ቦታ ዋጋ ብመበገሲ ሊዝ ብባንኪ ብዝተረጋገፀ ናይ ገንዘብ ክፍሊት ትእዛዝ /ሲፒኦ/ ወይ ኢንሹራንስ ቦንድ ከቅርቡ ኣለዎም፡፡

2 ሰነድ ጨረታ መሸጢ እዋን ካበ 13/07/2011ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ 23/07/2011ዓ/ም ሰዓት 9፡00 ድ/ቀትሪ ኣብ ዘለው 10 ናይ ስራሕ መዓልታት ጥራሕ ይከውን፡፡ ዕለት 19/07/2011ዓ/ም ሰዓት 9፡00 ሰነድ ጨረታ ምሻጥ ጠጠው ይብል፡፡

3 ሳንዱቅ ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 23/07/2011ዓ/ም ሰዓት 11፡00 ድ/ቀትሪ ይከውን፡፡

4 ጨረታ ዝክፈተሉ ዕለት 24/07/2011ዓ/ም ሰዓት 3፡00 ቤት መዘጋጃ ከተማ ዛላንበሳ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዘለውሉ ይከውን፡፡

5 እቲ ከይዲ ስራሕ ነቲ ዝወፀ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡

ከ/ስ/መሬት ምልማዕን ምሕደራን ከተማ ዛላንበሳ

ድሕሪት
ጨረታ መደብ