ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቕሪ መተሓባበሪ ቢሮ ክልል ትግራይ መነባብሮ ንዝርከቡ ማሕበረሰብ ግልጋሎት ዝዉዕል ዘመናዊ ቆፎ ንህቢን ሽምዒን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ስለዝደለየ

ዝዕፀወሉ መዓልቲ: መጋቢት 8, 2018 8:30 ቅ/ሰዓት
ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: መጋቢት 9, 2018 9:00 ቅ/ሰዓት
ዝወፀሉ መዓልቲ:ሶኒ የካቲት 30, 2018 ( ቅድሚ 7 ወርሒ)
ናይ ደኩመንት ዋጋ:
ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:
bidding: search status closed

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቕሪ መተሓባበሪ ቢሮ ክልል ትግራይ ኣብ ታሕቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሰበኻ ዓዲ ግራት ንዝተፈላለዩ ናይ ሕብረተሰብ ክፋላት ኣብ ትምህርቲ፤ ጥዕናን ልምዓትን ካልኦት ማሕበራዊ ፀገማትን ኣገልግሎትን ሓገዝን እናበርከተ ዝርከብ ገባሪ ሰናይ ትካል እዩ። ብፍላይ ድማ ኣብ ክልልና ምስ ት/ቲ ቢሮ ብሓባር ብምኻን ፍርያት ሃገር ብዝኾነ ምግቢ ኣብ መዓልቲ ሓደ ግዜ ተምሃራይ ክምገብ እናገበረ ዝርከብ ትካል እዩ። ብተመሳሰሊ ንዝተፈላለዩ ዕጉማት መራሕቲ ስድራ ናይ ምግቢ እታወትን መድሓኒትን ናዉቲ መድሓኒትን ከምኡ እዉን ካልኦት ናይ ሕርሻ እታወታትን እናባፅሐ ዝፀንሐን ዘሎን ትካል እዩ። በዚ መሰረት ድማ ትካልና ካብ CCO ገባሪ ሰናይ ትካል ብዝተረኸበ ሓገዝ ኣብ ትሑት መነባብሮ ንዝርከቡ ማሕበረሰብ ግልጋሎት ዝዉዕል ዘመናዊ ቆፎ ንህቢን ሽምዒን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ስለዝደለየ

➢ በቲ ዘርፊ VAI ተመዝገብቲ ዝኾንኩም ጥራሕ ዝርዝር መምርሒ ተጫረቲ ዝሓዘ ጨረታ ሰነድ ካብ ዕለት 09 /03/2026 ኣፈ ክሳብ ዕለት 17/03/ 2026 ኣ.ፈ ኣብ ዘሎ ግዜ ካብ ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቕሪ ትግራይ መተሓባበሪ ቤት ሕፈት ክ/ከተማ ዓዲ ሓቂ ጥቓ ዓይኒ ሕክምና ክትወስዱ ትኽእሉ።

➢ ተወዳደርቲ ዘቕርብዎ ናይ መሽን ወይ ካብ ብርሃንንና ሰላም ማተምያ ቤት ዝተሓተመ ጥራሕ ክኸዉን ኣለዎ

➢ እቲ ጨረታ ዕለት 17/03/2026 ዓም ስዓት 8:30 (local time) ተዓዕዩ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ስዓት 9:00 (local time) ኣብ ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቕሪ መተሓባበሪ ትግራይ ይኸፈት ::

ምስ ሰላምታ

Mekelle, Tigray, Ethiopia P.ዐ. Box 69 Tel 0344 41-84-42 | Email [email protected]

ጨረታ መደብ

s