https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/19440

ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቕሪ መተሓባበሪ ቢሮ ክልል ትግራይ መነባብሮ ንዝርከቡ ማሕበረሰብ ግልጋሎት ዝዉዕል ዘመናዊ ቆፎ ንህቢን ሽምዒን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ስለዝደለየ

  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሶኒ የካቲት 30, 2018 (ቅድሚ ሓደ ወርሒ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: መጋቢት 8, 2018 08:30 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: መጋቢት 8, 2018 09:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ስራሕቲን ውፅኢት ሕርሻ/ ሕርሻ መሺነሪ/

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቕሪ መተሓባበሪ ቢሮ ክልል ትግራይ ኣብ ታሕቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሰበኻ ዓዲ ግራት ንዝተፈላለዩ ናይ ሕብረተሰብ ክፋላት ኣብ ትምህርቲ፤ ጥዕናን ልምዓትን ካልኦት ማሕበራዊ ፀገማትን ኣገልግሎትን ሓገዝን እናበርከተ ዝርከብ ገባሪ ሰናይ ትካል እዩ። ብፍላይ ድማ ኣብ ክልልና ምስ ት/ቲ ቢሮ ብሓባር ብምኻን ፍርያት ሃገር ብዝኾነ ምግቢ ኣብ መዓልቲ ሓደ ግዜ ተምሃራይ ክምገብ እናገበረ ዝርከብ ትካል እዩ። ብተመሳሰሊ ንዝተፈላለዩ ዕጉማት መራሕቲ ስድራ ናይ ምግቢ እታወትን መድሓኒትን ናዉቲ መድሓኒትን ከምኡ እዉን ካልኦት ናይ ሕርሻ እታወታትን እናባፅሐ ዝፀንሐን ዘሎን ትካል እዩ። በዚ መሰረት ድማ ትካልና ካብ CCO ገባሪ ሰናይ ትካል ብዝተረኸበ ሓገዝ ኣብ ትሑት መነባብሮ ንዝርከቡ ማሕበረሰብ ግልጋሎት ዝዉዕል ዘመናዊ ቆፎ ንህቢን ሽምዒን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ስለዝደለየ

➢ በቲ ዘርፊ VAI ተመዝገብቲ ዝኾንኩም ጥራሕ ዝርዝር መምርሒ ተጫረቲ ዝሓዘ ጨረታ ሰነድ ካብ ዕለት 09 /03/2026 ኣፈ ክሳብ ዕለት 17/03/ 2026 ኣ.ፈ ኣብ ዘሎ ግዜ ካብ ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቕሪ ትግራይ መተሓባበሪ ቤት ሕፈት ክ/ከተማ ዓዲ ሓቂ ጥቓ ዓይኒ ሕክምና ክትወስዱ ትኽእሉ።

➢ ተወዳደርቲ ዘቕርብዎ ናይ መሽን ወይ ካብ ብርሃንንና ሰላም ማተምያ ቤት ዝተሓተመ ጥራሕ ክኸዉን ኣለዎ

➢ እቲ ጨረታ ዕለት 17/03/2026 ዓም ስዓት 8:30 (local time) ተዓዕዩ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ስዓት 9:00 (local time) ኣብ ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቕሪ መተሓባበሪ ትግራይ ይኸፈት ::

ምስ ሰላምታ

Mekelle, Tigray, Ethiopia P.ዐ. Box 69 Tel 0344 41-84-42 | Email [email protected]