ኢንተርፕራይዝ መፅናዕቲ ፣ዲዛይንን ቁፅፅርን ስራሕቲ ማይ ትግራይ ን2011 በጀት ዓመት ናይ መካይን ጎማ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።
ካብዚ ቐፂሉ ዘሎ መሰፈርቲ እተማልኡ ተወዳደርቲ ትካል ዘዳለዎ ጨረታ ሰነድ 20 .00 ብምክፋል ብምውሳድ ንክትወዳደሩ ንዕድም።
1 ብዘርፉ ናይ 2011 ዓ/ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግድ ፍቓድ ኮፒ ከተታሓሕዙ ትክእሉ::
2 ናይ መቅረባይ ምዝገባ ሰርቲፊኬትን ቲን ቁፅሪ ዝሓዘ ኮፒ ከተታሓሕዙ ትክእሉ::
3 ናይ ቫት ሰርቲፊኬት ኮፒ ክተቅርቡ እትኽእሉ ዘቕርቡዎ መወዳደሪ ዋጋ ቫት ዘሓወሰ ክኸውን ኣለዎ።
4 ናይ ወርሒ መጋቢት ቫት ዲክለሬሽን ዝገበርኩምሉ መረዳእታ ክተቅርቡ ትክእሉ፤
5 ናይ ጨረታ መኸበሪ 3000.00 ብር ብሲፒኦ ክትሕዙ ዝኽእሉ፤
6 ዝተኣዘዘ ንብረት ኣሸናፊ ኮይኖም 10 ሚኢታዊ ውዕሊ መከበሪ ብምትሓዝ ውዕሊ ካብ ካብ ዝኣሰርሉ ኣብ ውሽጢ 15 መዓልትታት ኣጠቃሊሎም ኣታዊ ይግበሩ።
7 መቅረባይ ከይፈፀሞ ካብ ዝተረፈ ጠቅላ ናይቲ ውዕሊ ዋጋ በቢመዓልቱ 0.1 ሚኢታዊ ወይ 1/1000 ቅፅዓት ዝከፍል ምዃኑ ፈሊጡ ንብረት ብእዋኑ ከእቱ ይግባእ፤
8 ጨረታ አብ አየር ዝፀንሐሉ ጊዜ ካብ ዕለት 01/09/2011 -15/09/2011 ዓ/ም ኮይኑ ኣብ /ናይ መወዳእታ መዓልቲ ልክዕ ሰዓት 8:30 ድ.ቀትሪ ተዓሺጉ ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት 9:00 ይኽፈት::
9 ትካልና ካልእ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዘ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::
ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስቑ 0344-418556 ምርካብ ይካአል እዩ