ኢንተርፕራይዝ መፅናዕቲ ፣ዲዛይንን ቁፅፅርን ስራሕቲ ማይ ትግራይ ን2011 በጀት ዓመት ናይ ቢሮ ኣቅሑት/ Office Furniture/ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።

  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሓሙስ መጋቢት 26, 2011 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሚያዝያ 9, 2011 8:30 ቅ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ: 0.00
  • ቦታ: መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ: 0.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሚያዝያ 10, 2011 9:00 ቅ/ሰዓት
  • ናይ ቢሮ ፈርኒቸር
  • ሕትመት
  • ፒዲኤፍ

ካብዚ ቐፂሉ ዘሎ መሰፈርቲ እተማልኡ ተወዳደርቲ ትካል ዘዳለዎ ጨረታ ሰነድ 20 .00 ብምክፋል ብምውሳድ ንክትወዳደሩ ንዕድም።

1 ብዘርፉ ናይ 2011 ዓ/ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግድ ፍቓድ ኮፒ ከተታሓሕዙ ትክእሉ::

2 ናይ መቅረባይ ምዝገባ ሰርቲፊኬትን ቲን ቁፅሪ ዝሓዘ ኮፒ ከተታሓሕዙ ትክእሉ::

3 ናይ ቫት ሰርቲፊኬት ኮፒ ክተቅርቡ እትኽእሉ ዘቕርቡዎ መወዳደሪ ዋጋ ቫት ዘሓወሰ ክኸውን ኣለዎ።

4 ናይ ወርሒ ጥሪ ቫት ዲክለሬሽን ዝገበርኩምሉ መረዳእታ ክተቅርቡ ትክእሉ፤

5 ናይ ጨረታ መኸበሪ 3000.00 ብር ብሲፒኦ ክትሕዙ ዝኽእሉ፤

6 ዝተኣዘዘ ንብረት ኣሸናፊ ኮይኖም 10 ሚኢታዊ ውዕሊ መከበሪ ብምትሓዝ ውዕሊ ካብ ካብ ዝኣሰርሉ ኣብ ውሽጢ 15 መዓልትታት ኣጠቃሊሎም ኣታዊ ይግበሩ።

7 መቅረባይ ከይፈፀሞ ካብ ዝተረፈ ጠቅላ ናይቲ ውዕሊ ዋጋ በቢመዓልቱ 0.1 ሚኢታዊ ወይ 1/1000 ቅፅዓት ዝከፍል ምዃኑ ፈሊጡ ንብረት ብእዋኑ ከእቱ ይግባእ፤

8 ጨረታ አብ አየር ዝፀንሐሉ ጊዜ ካብ ዕለት 25/07/2011 -09/08/2011 ዓ/ም ኮይኑ ኣብ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ልክዕ ሰዓት 8:30 ድ.ቀትሪ ተዓሺጉ ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት 9:00 ይኽፈት::

9 ትካልና ካልእ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዘ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስቑ 0344-418556 ምርካብ ይካአል እዩ

ድሕሪት
ጨረታ መደብ
s