ኤጀንሲ ፕሮሞሽን ዕደጋ ምህርቲ ሕርሻ ክልል ትግራይ ናይ ቢሮ መካይን ንምፅጋንን ሰርቪስ ንምግባርን ስለዝደለየ 4ተን5ተን ፈቃድ ዘለኩም ጋራዥ ብግልፂ ጨረታ ንክትወዳደሩ ይዕድም። ስለዚ ክትጫረቱ እትደልዩ መቕረብቲ ከም ዝስዕብ ዝተዘርዘሩ መምርሒታት ክተማልኡዎ ዝግባእ

ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ታሕሳስ 2, 2011 8:30 ቅ/ሰዓት
ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ታሕሳስ 3, 2011 9:00 ቅ/ሰዓት
ዝወፀሉ መዓልቲ:ረቡዕ ሕዳር 19, 2011
posted:ልዕሊ 7 ዓመታት
ናይ ደኩመንት ዋጋ: 30.00
ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ: 3,000.00
bidding: search status closed

1 ደረጃ 4ተን 5ተን ፍቃድ ዘለኩም

2 ናይ 2011 ዓ/ም ንግዲ ፍቃድ ዘሐደስኩም

3 ቫት ዝተመዝገብኩምን ኣብ ወርሒ መስከረም 2011 ዓ/ም ዲክሌር ዝገበርኩም፤

4 ናይ ግብሪ ከፋላይ መፍለይ ቁፅሪ ( ቲን) ዝተመዝገብኩም ምዃኖም መረዳእታ ክተቅርቡ እትኽእሉ፤

5 መቅረብቲ ካብ ዕለት 19/03/2011 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 02/04/2011 ዓ/ም ኣብ ናይ ሰራሕ ሰዓት ካብ ኤጀንሲ ፕሮሞሽን ዕደጋ ምህርቲ ሕርሻ ክልል ትግራይ ከ/ስ/ዕ/ፋይ/ምም/ር/ንብረትን 1ይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 102  ዘይምለስ ብር 30.00 ቅርሺ ከፊሎም ሰነድ ጨረታ ብምውሳድ ኣብ ዝተዳለወ ሳፁን ምእታው ይከኣል።

5 ናይ ጨረታ ውሕስና  መኸበሪ ብር 3000.00 ( ሰለስት ሽሕ) ሕጋውነቱ ብዝተረጋገፀ ሲፒኦ ቅድሚ ጨረታ ምኽፋቱ ከትሐዙ ዝኽእሉ፤

6 ጨረታ ዝዕሽገሉ ዕለት 02/04/2011 ዓ/ም ሰዓት 8:30 ተዓፅዩ፣ በዚ ዕለት ሰዓት 9:00 ተጫረቲ ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ይክፈት።ተጫረቲ ወይ ተወከልቶም እንተዘይተረኺቦም እውን እቲ ጨረታ ብምኽፋት ኣይተዓናቐፍን።

7 ኤጀንሲና ዝሓሸ ኣማራፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

 ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስ.ቁ 0344-405030 ምድዋል ይከኣል።

ጨረታ መደብ

s