ኢንተርፕራይዝ መፅናዕቲ ፣ዲዛይንን ቁፅፅርን ስራሕቲ ማይ ትግራይ ን2011 በጀት ዓመት ዘድሊ ናይ ቢሮ ኣቅሑ ( office furniture) ኣቅሑትን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክገዝእ ስለዝደለየ ካብዚ ቐፂሉ ዘሎ መሰፈርቲ እተማልኡ ተወዳደርቲ ትካል ዘዳለዎ ጨረታ ሰነድ ብምውሳድ ንክትወዳደሩ ንዕድም።
ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሕዳር 28, 2011 8:30 ቅ/ሰዓት
ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሕዳር 29, 2011 9:00 ቅ/ሰዓት
ዝወፀሉ መዓልቲ:ሶኒ ሕዳር 17, 2011
posted:ልዕሊ 8 ዓመታት
ናይ ደኩመንት ዋጋ: 0.00
ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ: 3,000.00
bidding: search status closed
1 ብዘርፉ ናይ 2011 ዓ/ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግድ ፍቓድ ኮፒ ከተታሓሕዙ ትክእሉ::
2 ናይ መቅረባይ ምዝገባ ሰርቲፊኬትን ቲን ቁፅሪ ዝሓዘ ኮፒ ከተታሓሕዙ ትክእሉ::
3 ናይ ቫት ሰርቲፊኬት ኮፒ ክተቅርቡ እትኽእሉ ዘቕርቡዎ መወዳደሪ ዋጋ ቫት ዘሓወሰ ክኸውን ኣለዎ። :ናይ ወርሒ መስከረም ቫት ዲክለር ዝገበርኩምሉ ኮፒ ክተቕርቡ እትኽእሉ
4 ናይ ጨረታ መኸበሪ 3000.00 ብር ብሲፒኦ ክትሕዙ ዝኽእሉ፤
5 ጨረታ ሰነድ ፋይንሻልን ቴክኒካልን ነንበይኑ ኣብ ክልተ ፖስታ ተዓሺጉ ክቀርብ ኣለዎ።
6 ዝተኣዘዘ ንብረት ኣሸናፊ ኮይኖም እንትረኸቡ 10% ውዕሊ መኸበሪ ብምትሓዝ ውዕሊ ካብ ዝኣሰርሉ ኣብ ውሽጢ 30 መዓልትታት ኣጠቃሊሎም ኣታዊ ይግበሩ።
7 መቅረባይ ከይፈፀሞ ካብ ዝተረፈ ጠቅላላ ናይቲ ውዕሊ ዋጋ በብመዓልቱ 0.1% ወይ 1/1000 ቅፅዓት ዝከፍል ምዃኑ ፈሊጡ ንብረት ብእዋኑ ከእቱ ይግባእ።
8 ጨረታ አብ አየር ዝፀንሐሉ ጊዜ ካብ ዕለት 14/03/2011 -28/03/2011 ዓ/ም ኮይኑ ኣብ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ልክዕ ሰዓት 8:30 ድ.ቀትሪ ተዓሺጉ ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት 9:00 ይኽፈት::
9 ትካልና ካልእ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዘ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::
ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስቑ 0344-418556 ምርካብ ይካአል እዩ::