ዋሕስ ናይ ገባ ቁጠባን ህንፀትን ኣ/ማ ንዳዕሮ ሳይት ዝዉዕል ዝተፈላለዩ ናይ ኤሌክትሪክ ኣቁሑት ብግልፂ ብረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለ ዝደለየ

ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሕዳር 20, 2019 9:00 ቅ/ሰዓት
ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሕዳር 20, 2019 9:30 ቅ/ሰዓት
ዝወፀሉ መዓልቲ:ዓርቢ ሕዳር 11, 2019 (8 መዓልቲ ገይሩ)
ናይ ደኩመንት ዋጋ: 300.00
ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ: 40,000.00
ናይ ጨረታ ኩነታት: ተዓፅዩ

ምልክታ ግልፂ ጨረታ ኤሌክትሪክ ኣቑሑት

ዋሕስ ናይ ገባ ቁጠባን ህንፀትን ኣ/ማ ንዳዕሮ ሳይት ዝዉዕል ዝተፈላለዩ ናይ ኤሌክትሪክ ኣቁሑት ብግልፂ ብረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለ ዝደለየ ነቲ ዝተቀመጠ ረቋሕታት እተማልኡ ሕጋውያን ነጋዶ ንክትወዳደሩ ይዕድም

1. ተጫረትቲ በቲ ዘርፊ ናይ 2018 ዓ/ም ወይ 2019 ዓ/ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ስራሕ ፍቃድ ናይ ቫት ተመዝገብቲ መረጋገፂ ምስክር ወረቀት፣ናይ ግብሪ ከፋሊ ምስክር ወረቀት(II) ' ኣብ ናይ መንግስቲ መቅረባይነት ዝርዝር ዝተመዝገቡ ምዃኖም ምስክር ወረቀት ኮፒ ጌሮም ከቅርቡ ዝኸእለ

2. ተረትቲ ብር 40,000 (ኣርባዓ ሽሕ) ናይ ጨረታ መኽበሪ ውሕስና ካብ ዝተፈለ ባንኪ ናይ ክፍሊት መአዚዚ (cpo) ብሽም ዋሕስ ናይ ገዛ ቁጠባን ህንፀትን ኣ/ማ ከትሕዙ ዝኽእሉ

3. ተረቲ ኦርጅናል ዋጋ ዝመልእሉ ዶክመንት ናይ ድርጅቶም ማህተም ኣብ ሕድሕድ ሰነድ ጨረታ ብንፁር ብምግባር፣ ኣብ ፖስታ ብምዕሻግ ድሕሪኡ ኣብቲ ዝተዓሸገ ፖስታ ማህተምን ዝተወዳደርሉ ዓይነት ንብረት ብምፅሓፍ ከቅርቡ ኣለዎም። ተጫረቲ ዋጋ ካብ ናይ ባዕልና ሰነድ ጨረታ ወፃኢ ምምላእ ኣይከኣልን፤

4, ተጫረቲ ድሕሪ ሳዕን ምኽፋቱ ጨረታ ኣይሳተፍን ምባል ኣይፍቀድን ከምኡ ንዝብል ዘትሓዞ ትሕጃ ኣይምለሰሉን ናብ ትካልና ኣታዊ ይከዉን ማለት እዩ/

5. ተረትቲ ዘይምለስ ብር 300.00 (ሰለስተ ሚእቲ) ብምኽፋል ሰነድ ጨረታ ካብ መቐለ ዋና ቤት ፅሕፈት ዋሕስ ናይ ገዛ ቁጠባን ህንፀትን ኣ/ማ ቢሮ ቁፅሪ - 2 ክፍል ዕድጋን ፋይናንስን ምውሳድ ይኸእሉ።

6. ዝሰዓረ ተራታይ ሰዓራይነቱ ምስ ተነገሮ ካብ ዝሰዓሮ ጠቅላላ ዋጋ 10% (ዓሰርተ ፐርሰንት) መኽበሪ ውዕለ ካብ ዝተፈለጠ ባንኪ ናይ ክፍሊት መእዘዘ (cpo) ብሽም ዋሕስ ናይ ገዛ ቁጠባን ህንፀትን ኣ/ማ ኣትሒዙ ኣብ ውሽጢ 3 መዓልቲ ዉዕሊ ክኣስር ዝኸእል ውዕሊ ክኣስር ዘይኽእል ዘትሓዞ መኽበሪ ጨረታ ናብ ትካልና ኣታዊ ይግበር፤

7. ዝሰዓረ ተራቲ ዝሰዓሮ ንብረት በቲ ዘትረብና ስፔስፊኬሽን መሰረት ኣብ ውሽጢ 5 ናይ ስራሕ መዓልቲ ናብ ዳዕሮ ሳይት ብናይ ባዕሉ መጓዓዓዚ መዕንን መራፍን ሓዊሱ ከረክብ ዝክእል።

8. እቲ ጨረታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት 11/03/2019 ክሳብ 19/03/2019 ዓ/ም ኣብ ኣየር ዝፀንሕ ኮይኑ ሳዕን ጨረታ ዕለት 19/03/2019 ዓ/ም ሰዓት 4 00 ቅደሚ ተትሪ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4:30 ቅድሚ ቀትሪ ተረትቲ ወይ ሕጋውያን ወኪላቶም ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ ትካልና ቢሮ ቁፅሪ‐2 ይኽፈት: ተረትቲ ብናይ ባዕሎም ድሌት ኣብ ስነ ስርዓት ምኽፋት ጨረታ እንተዘይተረኺቦም ትካልና ጨረታ ሰነድ ናይ ምኽፋት መሰለ ዝተሓለወ እዩ::

9. እቲ ብተጫረትቲ ዝምላእ ዋጋ ቫት ሓዊሱ ብናይ ኢትዮጵያ ብር ይኸውን፤

10. ትካልና ካብ ብር 20 000 ን ልዕሊኡን ንዝግበር ናይ ንብረት ካብ ብር 10000 ን ልዕሊኡን ንዝግበር ናይ ግልጋሎት ዕድጊታት 2% withholding tax) ትካልና ባዕሉ ዝእክብ ምኻኑ ዝኾነ መቅረባይ ኣፍልጦ ክህልዎ ይግባእ፤

11. ናይ ጨረታ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ ግዜ 15 መዓልቲ እዩ፤

12. ትካልና ብድሌቱ ክሳብ 20% መጠን እቲ ጨረታ ክዉስኸ ይኽእል፤

13. ትልና ከ መማረፂ እንተረኺቡ እዚ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰለ ሕሉው እዩ።

ኣድራሻና: - ኣብ ሮማናት ኣደባባይ ባንኪ ኣቢሲንያ ኣብ ዝርከበሉ ህንፃ 3ይ ደብሪ ዋሕስ ናይ ገዛ ቁጠባን ህንፀትን ኣ/ማ ንርከብ፡ ንተወሳኺ ሓበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0967-568418/0914766793 ይደውሉ።

ጨረታ መደብ