ማሕበር ልምዓት ትግራይ ንዝተፈላለዩ ፕሮጀክትታት መፈፀሚ ዝውዕል ናይ መሳርሒ ፅሕፈት (Stationery) ፥ ኤለክትሮኒክስ(Laptop) ፥ ፅሬት ኣቅሑት(soaps) ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።

ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሕዳር 2, 2019 8:30 ቅ/ሰዓት
ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሕዳር 3, 2019 9:00 ቅ/ሰዓት
ዝወፀሉ መዓልቲ:ረቡዕ ጥቅምቲ 18, 2019 (14 መዓልቲ ገይሩ)
ናይ ደኩመንት ዋጋ: 500.00
ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ: ብቢ ሎቱ ይፍላለ
ናይ ጨረታ ኩነታት: ተዓፅዩ

AI ቅልጡፍ ፅማቕ

generated by ai
* ማሕበር ልምዓት ትግራይ ንመሳርሒ ፅሕፈት (ሎት 1)፣ ኤሌክትሮኒክስ/ላፕቶፕ (ሎት 2) ከምኡ’ውን ፅሬት ኣቕሑት (ሎት 3) ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።
* ተወዳደርቲ ናይ 2018 ዓ.ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ፣ መለለዪ ቑፅሪ ከፈልቲ ግብሪ (TIN)ን ናይ ወርሒ ሓምለ 2018 ዓ.ም ቫት ዲክላራስዮን መረዳእታ ከቕርቡ ዝኽእሉ ክሆኑ ኣለዎም።
* ናይ ጨረታ መኸበሪ ሰነድ ብስፒኦ (CPO) ጥራሕ ንሎት 1ን 2ን ብር 100,000.00፣ ንሎት 3 ድማ ብር 20,000.00 ክቕረብ ኣለዎ።
* ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ዋና ቤት ፅሕፈት ማ.ል.ት (ቢሮ ቑፅሪ 435) ዘይይምለስ ብር 500.00 ብምኽፋል ምውሳድ ይከኣል።
* ጨረታ ዕለት 2/3/2019 ዓ.ም ሰዓት 8፡30 ተዓፅዩ፣ በቲ ዕለት ሰዓት 9:00 ኣብ ቢሮ ቑፅሪ 410 ይኸፈት።

ምልክታ ጨረታ

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ንዝተፈላለዩ ፕሮጀክትታት መፈፀሚ ዝውዕል:-

➢ ሎት 1 -መሳርሒ ፅሕፈት (Stationery) 

➢ ሎት 2 -ኤለክትሮኒክስ(Laptop)

➢ ሎት 3 -ፅሬት ኣቅሑት(soaps)

ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ። ስለዝኾነ ድማ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቛሒታት እተማልኡ ዝምልከተኩም ተወዳደርቲ ንክትሳተፉ ይዕድም፡፡

1. ናይ 2018 ዓ.ም በቲ ዘርፊ ስራሕ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎ፣

2. መለለዪ ንግዲ ፍቓድ (In Number) ምስ ንግዲ ፍቓድ ፎቶ ኮፒ፣

3. ቫት ተመዝገብቲ ዝኾኑን ዝተመዝገብ መረዳእታ ወርሒ ሓምለ 2018 ዓ.ም ዲክላራስዮን ከቕርቡ ዝኸእሉ፣

4. ጨረታ መኸበሪ ሰነድ ብስፒኦ ጥራሕ (CPO) ንሎት 1ን2ን ብር 100,000.00 ፣ንሎት 3 ብር 20,000.00

5. ካብ እስፐሲፍኬሽን ወፃኢ ስርዝ ድልዝ ኣይፍቀድን፣

6. ውፅኢት ጨረታ ዝገልፅ መአዘዚ ዕደጋ (Purchase order) ካብ ዝወሰደሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 2 መዓልቲ 10% ናይ ዝመልእዎ ዋጋ መክበሪ ውዕሊ ብምቕራብን ዘየማትእ ውዕሊ ብምእሳርን አብቲ ውዕሊ

ብንፁር አብ ዝቕመጥ ጊዜ ገደብ ከቕርብ ዝኸእል:: ብመሰረት ዝተአሰረ ውዕሊ እንተዘይአቕሪቡ ሰዓራይ ካብ ውድድር ወፃኢ ብምግባር ትካልና ካሊእ መማረፂ ይጥቀም፣

7. እቲ ዋጋ ክምላእ ከሎ ምስ ቫቱ ምዃኑን ዘይምዃኑን ብንፁር ክቕመጥ ኣለዎ፡፡ ብንፁር እንተዘይተፈሊጡ ምስ ቫቲ ከምዝተመልአ ተሓሳቢ ይግበር፡፡

8. ኣብቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ሙሉእ ሽምን ማህተምን እቲ ትካል ክጥቀስ ይግባእ፣

9. ትካልና 20% ናይቲ ንብረት ምንካይን ምውሳክን ይክእል፣

10. ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ልምዓት ትግራይ (ጥቓ ቤተ መንግስቲ)ቢሮ ቑፅሪ 435 እዚ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ሰዓት ብር500.00 ብምኽፋል ምውሳድ ይከኣል፣

11. ማ.ል.ት እዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፣

12. እዚ ግልፂ ጨረታ ዕለት 2/3/2019 ዓ.ም ሰዓት 8፡30 ተዓፅዩ ኣፍቲ ዕለት ሰዓት 9:00 ኣብ ቤት ፅሕፈት ማ.ል.ት ቢሮ ቑፅሪ 410 ይኸፈት፡፡

ጨረታ መደብ