ምልክታ ጨረታ
ወረዳ ዓዲየት ቤት ፅሕፈት ልምዓት ምምሕዳርን ፋይናንስን ብናይ 3R for Care Complement ክልተ በጀት አቢሉ ንዝተጎድኡ ደቅ ኣንስትዮ ሙያዊ ስልጠና ንምሃብ፣ ንምህብህቢ ህፃናት ግልጋሎት ውዕል፣ ዝተፈላለዩ ዓይነት ንብረታት ናይ ፅሕፈት መሳርሒ ኣቑሑት፣ ስፔር ፓርት (ማለት ውን መለዋወጢ ዕጥቂ ኣቑሑት)፣ ናይ ገዛን ናይ ቢሮን መሳርሒ ኣቑሑት፣ ናይ ኤሌክትሪክ መሳርሒ ኣቑሑት፣ ናይ ጨርቃ ጨርቂ፣ ናይ ሕርሻ መሳርሒ ኣቑሑት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክገዝእ ስለዝደለየ፡
ነቶም ብዝርዝር ዝተቐመጡ ዓይነታት ዕድጊት ብናይ ባዕሎም ዘፈር ንግዲ ዝተፈሌ ህጋዊ ንግዲ ፈቓድ ናይ 2018-2019 ዓ.ም. ዘለኹም፣ ንናይ ባዕሎም ዘፈር ንግዲ ዝተፈላለየ ናይ መቕረባይነት ካርድ ናይ 2018-2019 ዓ.ም. ዘለኹም መቕረብቲ፣ TIN number ዘለኹም መቕረብቲ፣ ካብዚ ቐፂሎም ንዝተዘረዘሩ ዓይነታት መስፈርታት እትመልኡ መቕረብቲ ክትወዳደሩ ንዓድም።
ጨረታ አየር ክፉት ንምዃኑ፡
ብጨረታ ዝስዓርኩም መቕረብቲ ንኹሎም ዓይነት ዕድጊታት ብናይ ባዕልኹም መፅዓንን መራገፍን መጓዓዝያን ወፃኢ ሸፊንኩም ናብ ቤት ፅሕፈትና ከተማ ሰመማ ኣብ ውሽጢ 8 መዓልቲ ክትረክቡ ኣለክም።
ቤት ፅሕፈትና በቲ ዝወፀኦ ጨረታ ምልክታ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙኡል ይኹን ብኸፊል ናይ ምሰረዝ መብቱ ዝተሓለወ እዩ።
ኣብዚ ወፂኡ ዘሎ ጨረታ መብርሂ ክሓትት ንዝደሊ መቕረባይ ብቁፅሪ ስልኪ 0914376030 ወይ ድማ 0923412447 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል።
ወረዳ ዓዲየት ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን
ድሕሪት