ፕሮፎርማ
ኹሓ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ካብ ዕለት 27/10/2018 – 28/10/2018ዓ.ም ንተኸታታሊ መዓልትታት ኣብ ዝካየድ ወፍሪ ጎስጓስ ሕክምና ዓይኒ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ጎስጓስ ንዘካይዱ ሰራሕተኛታት ግልጋሎት እትህብ ኮብራ መኪና ክራይ ስለዝደለየ ተወዳደርቲ ይዕድም ። ዝምልከተኩም ናይዚ ክራይ መኪና መካረይቲ መቕረብቲ ትካላት ተማልእዎ ሮቃሕታት ካብዚ ንታሕቲ ተዘርዚሩ ዘሎ ሮቃሕታት ንኽቕርቡ ንገልፅ።
1. ናይ መንግስቲ ግብሪ ዝኸፈልኩምን ንግዲ ፍቃድ ናይ 2018ዓ/ም ዝሐደስኩምን።
2. ናይ ግብር ኸፈልቲ ቁፅሪ ቲን ምምዝጋብኩም መረዳእታ ክትቕርቡ ትኽእሉ ።
3. መቅረባይነት ዝተመዝገብኩም መረዳእታ ክተቅርቡ ትኸእሉ። ሰርቲፍኬት ዘይምለስ ፎቶ ኮፒ ኣተሓሒዝኩም ክተቅርቡ በዓል ዋና ኣብ ንግዲ ፍቃድን ሽምን ፊርማን ማህተምን ናይ ዋጋ መቅረቢ እንተዘይብሉ እቲ ፕሮፎርማ ተቀባልነት የብሉን።
4. ፕሮፎርማ ካብ ዝወፀሉ ዕለት 24/10/2018ዓ.ም - 26/10/2018ዓ.ም ሰዓት 3:00 ተዓዕዩ ሰዓት 4:00 ዝኸፈት ይኸውን።
5. እቲ ፕሮፈርማ ኣብ ቁፅሪ 48 ዕደጋን ፋይናንስ ንብረት ምምሕዳር መፂኢኹም ክትወስዱ ትኸዕሉ ::
6. እቲ ፕሮፎርማ ከም ውዕሊ ኮይኑ የገልግል።
7. ትካልና እቲ ፕሮፎርማ እንተዘይ ተስማሚዕሉ ሙሉእ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ::
8. ነዳዲ ቀረብ ይኹን ኣብ ከይዲ ዘጋጥሙ ብልሸት መኪና ብናይ ባዕሎም ማለት(ሰዓራይ)ዝሽፈን ይኸውን
9. ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ 0344420221/0914021835 ምሕታት ይከኣል።
ድሕሪት