ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ናይ 2018 ዓ.ም በዓል ኣሸንዳ/ዓይኒ ዋሪ/ማርያ/ፀሞረይ: ሰረት ሰላም፣ ሓድነትን ተስፋን ትግራይ” ብዝብል መራሒ ሓሳብ ንምኽባር ኣብ ምንቅስቓስ ይርከብ::

  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ዓርቢ ሰነ 12, 2018 (ቅድሚ 3 ሰዓት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሰነ 23, 2018 11:00 ቅ/ሰዓት (10 መዓልቲ ይተርፎ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:
  • ቦታ: መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ኣይገልፅን
  • ኢቨንት ምዝግጃው
  • ሕትመት
  • ፒዲኤፍ

ጨረታ ምትእኽኻብ እቶት 

ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ናይ 2018 ዓ.ም በዓል ኣሸንዳ/ዓይኒ ዋሪ/ማርያ/ፀሞረይ: ሰረት ሰላም፣ ሓድነትን ተስፋን ትግራይ” ብዝብል መራሒ ሓሳብ ንምኽባር ኣብ ምንቅስቓስ ይርከብ:: በዚ መሰረት እቲ በዓል ብክልል ብርኪ ንምኽባር ዘድልዩ ወፃኢታት ንምትእልላሽን ኣብዚ ዓውዲ ዝነጥፉ ትካላት መላለይቲ ወይ ኣሰናዳእቲ ኩነት ምድላውን(Event Organizer) ወይ ማሕበራትን ውዳበታትን ባህሊ ኮይኖም ሕጋዊ ፍቓድ ዘለዎም፤ ዝሓሸ ልምድን ዓቕምን ዘለዎምን ትካላት ኣወዳዲሩ ከስርሕ ስለዝደለየ፤ ክትሳተፉ እትደልዩ ትካላት ብመሰረት እዞም ዝስዕቡ ዝርዝር ረቛሒታት ውጥን ሓሳብኩም (ፕሮፖዛልኩም) ካብ 12/10/2018-22/10/2018 ዓ/ም ብምቕራብ ክትወዳደሩ ይዕድም፡፡

✓ ኣብ ኩነት ምድላው (Event Organizer) ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎ፣ ቫት ተመዝጋቢ ዝኾነ፤ ናይ 2018 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ከቕርብ ዝኽእልን፤(10%)

✓ ዓበይቲ ዓለም-ለኻዊ፣ ሃገራውን፣ ክልላውን ፋይዳ ዘለዎም ኩነትን (Events) ናይ ምድላው ልምዲ ዘለዎን ነዚ ዘመሳኽር መረዳእታ ዘቕርብን(15%)

✓ ትርጉምን ክብደትን እቲ በዓል ብዝግባእ ኣፍልጦ ከምዘለዎ ዘረድእ ውጥን ሓሳብ (ፕሮፖዛል)ከቕርብ ዝኽእልን ቃላዊ መብርሂ(oral presentation)ዝህብን (5%)

✓ እቲ በዓል ካብ ቕድመ-ምድላው ጀሚሩ ክሳብ ፍፃመ ብዝተሳኸዐ መንገዲ ንክሳለጥ ምሉእ ሞያዊ ሓላፍነት ወሲዱ ዝሰርሕን ፋይናንሳዊ ውሕስና ከቕርብ ዝኽእልን(20%)

✓ ናይ ትካሉ ሓፈሻዊ መረዳእታን ናይ ሰራሕተኛታት ብቕዓትን (company profile and staff competency) መረዳእታ ከቕርብ ዝኽእል(15%)

✓ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ዘቐመጦም ኣንፈታትን መምርሕታትን ኣኸቢሩ ዝሰርሕን ተወሰኽቲ ዓቕምታት ከምፅእ _ ዝኽእልን ፍሉያት ብልጫታት ዘለውዎን(10)%

✓ ኣጠቓቕማን ሃፍቲ፣ እቶት ኣተኣኻኽባ ሜላ፣ ከምኡ ድማ መጠን ብፅሒቱን ኣብቲ ዝቐርብ ውጥን ሓሳብ(ፕሮፖዛል)

✓ ሰዓራይ ትካል ኣብ ውሽጢ 3ተ መዓልቲ ውዕሊ ብምእሳር ብውዕሉ መሰረት ክሰርሕ ዝኽእልን በብሰሙኑ ክንንውኑ ብፅሑፍን ብቓልን መረዳእታ ከቕርብ ዝኽእል።

✓ ቢሮና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ምልክታ ብምሉእ ወይ ድማ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡

✓ እዚ ጨረታ እዚ ብቴክኒካልን ፋይነናንሻልን ስለዝርኣይ ብክልቲኡ መዳይ ፈላሊኩም ኣታዊ ንክትገብሩ ንሕብር።

መዘኻኸሪ፤

✓ ብናይ ተባዕታይ ፆታ ዝተጠቐሱ ንኣነስታይ ፆታ እውን የካትት እዩ::

✓ እዞም ዝተጠቐሱ ረቛሕታት ዘማልኡ ተወዳደርቲ ውጥን ሓሳቦም (ፕሮጀክት ፕሮፖዛል) ዓሺጎም ክሳብ ዕለት 22/10/2017 ዓ.ም ሰዓት 11:30 ድሕሪ ቐትሪ ናብ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ቀዳማይ ደብሪ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ኣታዊ ክትገብሩ ንሕብር 

ድሕሪት
ጨረታ መደብ
s