ንኻልኣይ ግዜ ዝወፀ ምልክታ ፕሮፎርማ
ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቕሪ መተሓባበሪ ቢሮ ክልል ትግራይ ኣብ ታሕቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሰበኻ ዓዲ ግራት ንዝተፈላለዩ ናይ ሕብረተሰብ ክፋላት ኣብ ትምህርቲ፤ ጥዕናን ልምዓትን ካልኦት ማሕበራዊ ፀገማትን ኣገልግሎትን ሓገዝን እናበርከተ ዝርከብ ገባሪ ሰናይ ትካል እዩ። ብፍላይ ድማ ኣብ ክልልና ምስ ት/ቲ ቢሮ ብሓባር ብምኻን ፍርያት ሃገር ብዝኾነ ምግቢ ኣብ መዓልቲ ሓደ ግዜ ተምሃራይ ክምገብ እናገበረ ዝርከብ ትካል እዩ። ብተመሳሰሊ ንዝተፈላለዩ ዕጉማት መራሕቲ ስድራ ናይ ምግቢ እታወትን መድሓኒትን ናዉቲ መድሓኒትን ከምኡ እዉን ካልኦት ናይ ሕርሻ እታወታትን እናባፅሐ ዝፀንሐን ዘሎን ትካል እዩ። በዚ መሰረት ድማ ትካልና ካብ ዝተፈላለዩ ገበርቲ ሰናይ ትካላት ብዝተረኸበ ሓገዝ
✓ ናይ Electronics and Construction Materia (ኣቑሑ) ብፕሮፎርማ ስለዝደለየ ኣወዳዲሩ ክገዝእ
✓ በቲ ዘርፊ ሕጋዉያን መቐረብቲ ዝኾንኩም ጨረታ ሰነድ ካብ ዕለት 16/06/2026 ኣ/ፈ ክሳብ ዕለት 18/06/ 2026 ኣ/ፈ ስዓት 8:30 ድሕሪ ስዓት ኣብ ዘሎ ግዜ ጥራሕ ካብ ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቕሪ ትግራይ መተሓባበሪ ቤት ፅሕፈት ክ/ከተማ ዓዲ ሓቂ ጥቓ ዓይኒ ሕክምና ክትወስዱ ትኸእሉ።
መብርሂ፣ ኣብ ጨረታ ክሳተፍ ዝኽእል ሓዱሽ ቅብሊት ካብ ብርሃንና ሰላም ማተምያ ዘሐተመ ወይ ካሽ ረጅስተር መሽን ጥራሕ ዘለዎ ክኸዉን ኣለዎ
➢ ን ዝበልፀ ሓበሬታ ትካልና ዘውፅኦ ጨረታ ወይ ፕሮፎርማ ካብ ኦስካር ጆብስ ብተወሳኺ ኣብ ናይ ትካልና ዋብ ሳይትን ፌስቡክን ፔጂ ምርእይ ትኽእሉ።
ድሕሪት