1 ናይ 2018 ዓም ዝተሐደሰ ብቤት ፅሕፈት ልምዓት ደቀቅቲን ኣናሽተይን ንግዲ ትካላት ዝተዉሃቦ ብርኪ ትካል ምስክር ወረቀት ንግዲ ምዝገባ ፡ ምስክር ወረቀትን ንግዲ ስራሕ ፈቃድን ፡ ኮንስትራክሽን ተኮናታሪነት ምዝገባ ካርድን፡ ግብሪ ከፋሊ ምዝጋበ መስክር ወረቀት ማለት እዉን ቲን መቅረባይነት ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ መዝጋባ ምስክር ወረቀትን ናይ ወርሒ ጉንበት ወይ ሚያዝያ ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ፀብፃብ ዘቅርብ
2 መከበሪ ጨረታ 15000 ብናይ ኢትዩጰያ ብሄራዊ ባንኪ ካብ ዝተፈቀደሎም ባንኪታት ወይ ፋይናንሳዊ ትካላት ዝዉሃብ ኣብ ኩነታት ዘይተመሰረተ ዉሕስና ባንኪታት ወይ ፋይናንሳዊ ትካላት ዘረጋገፅኦ ቅዳሕ ከምእዉን ዋና ቼክ ሊተር ኦፍ ክሪዲት ከቅርቡ አለዎም
3 ተጫረቲ ናይቲ ዝጫረትሉ ህንፃ ፕሮጀክት ስራሕቲ ሳይት ካብ ዝተረከብሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 45 መዓልቲታት መሉእ ብመሉእ ዛዚሞም ከረክቡ አለዎም
4 እቲ ዝስራሕ ሐድሽ ሽቃቅን ክልተ ክፍሊ ናይ ደቂ ኣንስተዩ መእሰርን መመርመርን ፅግና ቤት ፅሕፈትን ናይ ስራሕ ዝርዝር መሰረት በቤት ፅሕፈት እንዳተለከዓ ዝክፈል ምካኑ ክፈልጡ አለዎም
5 እትመልእዎ ነፀላ ዋጋ እቲ ዝቀመጥ ቁፅሪ ግልፅን ብካልኣይ ወገን ብዘረድእ መንገዲ ክምላእ አለዎ
6 ተጫረቲ ብቤት ፅሕፈት ህንፃት ምምሕዳር መጎዓዝያ ወረዳ ታሕታይ ቆራሮ ቀንዲ ከይዲ ስራሕ ዲዛይንን ቁፅፅር ስራሕቲ ህንፀት ወረዳ ታሕታይ ቆራሮ ዝተዳለወ ጨረታ እዚ ጨረታ ብመራከቢ ሓፋሽ ካብ ዝተጋወሐሉ ግዜ ጀሚሩ ምዉሳድ ይከኣል
7 ተጫረቲ ዝመልእዎ ዋጋ ሰነድ ጨረታ ሐደ ዋና ክልተ ቅዳሕን ናይ ጨረታ መከበሪ በቤት ፅሕፈት ልምዓት ደቀቅቲን ኣናሽተይን ንግዲ ትካላት ዝተዉሃቦ ብርኪ ትካል ምስክር ወረቀት ናይ ንግዲ ምዝገባ ምስክር ወረቀትን ንግዲ ስራሕ ፍቃድን ናይ ኮንስትራክሽን ማለት እዉን ተኮናተራይነት መዝገባ ካርድን ናይ ግብሪ ከፋሊ መዝገባ ምስክር ወረቀት ማለት እዉን ቲን መቅረባይነት ሰነዳት ኣብ ዝተፋላለየ ፖስታታት ምስዓሸጉ ኩሎም ፖስታታት ኣብ ካሊእ ዓብይ ፖስታ መሊሶም ብምዕሻግ ናይቲ ዝጫረትሉ ፕሮጀክት ሸም ኣብ ልዕሊ እቲ ዓብይ ፖስታ ብዝረአ ቀለም ብምፅሓፍ ነቲ ጨረታ ተባሂሉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ህነፀት ምምሕዳር መጎዓዝያ ወረዳ ታሕታይ ቆራሮ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ክሳብ ዕለተ 9/10/2018 ዓም ሰዓት 3፡00 ተዓፅዩ ሰዓት 3፡30 ናይ ቅድሚ ቀትሪ ተጫረቲ ኣብ ዘለዉዎ ይከፈት
8 ተጫረቲ እቲ ሰነድ ጨረታ ብዉነ ተረዲኦም ዋጋ ብምምላእ ፊምኦምን ማህተሞምን ብምዕራፍ እቲ ሰነድ ጨረታ ከምቲ ክሽየጥ ከሎ ዝነበሮ ከይኣጎደሉ ከቅርቡ አለዎም
9 ስርዝ ድልዝ ዘለዎ ሰነድ ጨረታ ኣብቲ ጨረታ ሰነድኩም ናይ ባዕል ዋና ፊርማ ሃሊዎ ስርዝ ድልዝ ንሳልሳይ ወገን ግልፂ እንተዘይኮይኑ ግን ካብ ጨረታ ወፃኢ ዝገበር ምካኑ ፈሊጥኩም ክትመልኡ ይግባእ
10 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ መሉእ ብመሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
ንተወሳኪ ሐበሬታ ንምርካብ 0344442199 ቤት ፅሕፈት ህንፀት ምምሕዳር መጎዓዝያበ ወረዳ ታሕታይ ቆራሮ
ድሕሪት