ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን መባእታዊ ሆስፒታል ዕደጋ ዓርቢ ግልጋሎት ዝዉዕል KW10 ሶላር ፒቪ ሲስተም ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ጨረታ ብሬድዩ ዝተጋወሐሉ 15/9/2018 ዓም

1 ዓይነት ንብረት KW10 ሶላር ፒቪ ሲስተም ብመሰረት እስፐስፊኬሽን መዓቀኒ ቁፅሪ በዝሒ ሐደ

2 ተጫረቲ ናይ ምንግስቲ ግበሪ ዝከፈሉን ናይ 2018 ዓም ፍቃድ ንግደም በቲ ዘርፊ ዘቅርቡን ዝሐደሱን

3 ተጫረቲ ኣብ መቅረባይነት ዝተመዝገቡ ናይ መቅረባይነት መለለይ ካርድ ናይ 2018 ዓም ዝተሐደሰ ከቅርቡ ዝክእሉ

4 ተጫረቲ ናይ ከፈልቲ ግብሪ መለለይ ቲን ከቅርቡ ዝክእሉ

5 ተጫረቲ ቫት ዝተመዝገቡ ናይ ወርሒ መጋቢት 2018 ዓም ናይ ግብሪ ኣካቢ ኣካል ቫቲ ዲክሊር ዝገበርሉ መረዳእታ ከቅረቡ ዝክእሉ

6 ተጫረቲ ናይ ጨረታ መከበሪ ብጥረ ገንዘብ 30000 ብር ወይድማ ብዝተረጋገፀ ቼክ ስፒኦ ከትሕዝ ዝክእል

7 ጨረታ ዝሰዓሩ ተጫረቲ ዉዕሊ ንክኣስሩ ምስተፀወዑ ኣብ ዉሽጢ 5 መዓልቲ ቀሪቦም ናይ ዝሰዓርዎ 10 ሚእታዊ ዉዕሊ መከበሪ ብምትሓዝ ዉዕሊ ናይ ምእሳር ጉብእ አለዎም

8 ሰዓርቲ ናይ መጎዓዝያ ሓዊሱ ብናይ ባዕሎም መጎዓዝያ ናብ መባእታዊ ሆስፒታል ዕድጋ ዓርቢ ዘቅርብ ኮይኑ ተኪሉ ፈቲኑ ካልኦት ስፐስፊኬሽን ዝተገለፁ መዓቀኒታትን አማሊኡ ከቅርብ ዝክእል

9 ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ብናይ ባዕሉ ዘርፊ ካብ ዕለት 8/9/2018 ዓም ክሳብ 18/9/2018 ዓም ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ምምሕዳር እንዳባፃሕማ ክፍሊ ቁፅሪ 05 ዘይመለስ 300 ቅርሺ ብምክፋል ምዉሳ ይከኣል

10 ጨረታ ዕለት 18/9/2018 ዓም ሰዓት 8:30 ተዓፅዩ ዐለት 18/9/2018 ዓም ሰዓት 9:00 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረክበሉ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ምምሕዳር እንዳባፃሕማ ክፍሊ ቁፅሪ 05 ይክፈት

11 ጨረታ ምስተከፈተ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ን30 ተከታታሊ ናይ ስራሕ ማዓልቲታት ጥራሕ እዩ

12 እቲ ከይዲ ስራሕ ጨረታ ምስተከፈተ ከምእድላይነቱ ናይቲ ኣቅሓ መጠን 20 ሚእታዊ ክዉስክ ወይ ክንኪ ይክእል

13 ፅሬት ኣቅሐት ሶላር ዝምልከተ አቀዲሙ ብዝተነፀረ መለክዒ ብሳምፕል ወይ ብስፐስፊኬሽን ኦርጅናል ኣቅሑ ብባዕል ሞያ ብምርጋግፅ ቅቡል ዝግበር ይከዉን

14 ቤት ፅሕፈትና እቲ ጨረታ ብመሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ

ድሕሪት
ጨረታ መደብ
s