ን2ይ ግዚ ዝወፀ ምልክታ ፕሮፎርማ
ንማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ UNFPA project ንመቐለ ሴፍ ሃዉስ ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ 5000 ሊትር ቦጥ ማይ ብፕሮፎርማ አወዳዲራ ዉዕሊ ብምእሳር ክትዕድግ ስለዝደለየት ሕጋዎት ነጋዶ ዝኾንኩም ንክትወዳደሩ ትዕድም::
ተጫረቲ ከማልእዎ ዝግበእ ረቋሒታት
1. ናይ 2018 ዓ/ም ንግዲ ፍቃድ ዘሓደሰ
2. ናይ ግብሪ ከፋላይ መፍለይ ቁፅሪ (TIN NO) ከቅርብ ዝክእል
3. ናይ ቫት ተመዝጋቢ ዝተሓደሰ ሰርተፊኬት ከቅርብ ዝክእል
4. ተጫረቲ ዘቕርብዎ ናይ ሓደ/ነፀላ ዋጋ ምስ መልአ ኣብ ጠቕላላ ዋጋ ዝብልዉን ድምር ተመሊኡ ክቕርብ አለዎ
5. ተጫረቲ ንብረት ዘቅርብዎ ፅርየቱ ዝሓለወን በቲ ዝተገለፀ ስፐስፊኬሽን መሰረት ክኸዉን አለዎ::
6. ካብ ናይ ባዕልና ስፔሲፊኬሽን ወፃኢ ምቕራብ አይፍቀድን
7. አብቲ ሰነድ ጨረታ ስርዝ ድልዝ እንተሃልይዎ ካብቲ ጨረታ ይኹን ፕሮፎርማ ይስረዝ
8. ዝወፀ ስፐሲፊኬሽን ዘይተረደኦ ተጫራቲ ናብ ቤት ፅሕፈት ብምምፃእ ምርዳእ ይከአል፡፡
8. ናይ ፕሮፎርማ ሰነድ ዝወፀሉ ዕለት 15/09/2018 ዓ/ም 17/09/2018 ዓ/ም ይኸውን::
9. ፕሮፎርማ ዝኸፈተሉ ዕለት ብተመሳሳሊ ዕለት 17/09/2018 ዓ/ም ሰዓት 9፡00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 9፡30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም አብ ዝተረኸበሉ አብ ቀበሌ 15 አብ ዝርከብ ዋና ቤት ፅሕፈትና ዝኸፈት ይኸዉን
10. አሰናፊ ተጫረቲ ዘሸነፍዎ አቕሓ ብናይ ባዕሎም ትራንስፖርት ናብ ቢሮ ዳግም አምሳል ከቕርብ ዝኽእል
11. እቲ ናይ ፕሮፎርማ ሰነድ ካብ ማደኣት ቢሮ ቁፅሪ 15 እናመፃኩም ምውሳድ ትክእሉ::
12. ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ይኹን ወይ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ
| ተ.ቁ | ዓይነት | መዐቀኒ | በዝሒ | ናይ ሓደ ዋጋ | ጠቕላላ ዋጋ |
|---|---|---|---|---|---|
| 1 | ናይ 5000 ሊትር ቦጥ ፅሩይ ዝስተ ማይ | ቦጥ | 01 |