ማሕበር ኣክስዮን ማይክሮ ፋይናንሰ ኣደዳይ ዋና ቤት ፅሕፈት ንትካል ግልጋሎት ዝውዕሉ ዝተፈላለዩ ናይ ፅሕፈት መሳርሒ አቑሑት ኣብ በጀት ዓመት 2026 ኣ.ፈ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።

  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሰሉስ ጉንበት 11, 2018 (10 መዓልቲ ገይሩ)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ጉንበት 21, 2018 8:30 ቅ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ: 20,000.00
  • ቦታ: መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ: 400.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ጉንበት 22, 2018 9:00 ቅ/ሰዓት
  • ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት
  • ሕትመት
  • ፒዲኤፍ

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ማሕበር ኣክስዮን ማይክሮ ፋይናንሰ ኣደዳይ ዋና ቤት ፅሕፈት ንትካል ግልጋሎት ዝውዕሉ ዝተፈላለዩ ናይ ፅሕፈት መሳርሒ አቑሑት ኣብ በጀት ዓመት 2026 ኣ.ፈ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።

1) ዝርዝር ዕድጊት ዝፍፀሙ ኣቑሑት ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ኣክስዮን ማይክሮ ፋይናንስ ኣደዳይ ኣድራሻ 1ይ ወያነ ቀበሌ 11 ናይ ኮረኮንቺ ዓዲሓ ታክሲ መሳፈሪ ዳዊት ህንፃ መጺኹም ሰነድ ብምውሳድ ምውድዳር ይከኣል።

2) ኣብዚ ጨረታ እትሳተፉ ክታማልእዎ ዝግባእ ርቋሒታት:-

• በቲ መስመር ዝወፀ ናይ 2018 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቕድ ዘለኩም:

• መፍለዩ ቁፅሪ ከፋሊ ግብሪ (TIN) ዘለኩም:

• ምስክር ወረቐት መቕረባይነት ከቕርቡ ዝኽእሉ:

• ቫት ሰርቲፌኬት ዝተመዝገቡ ምዃኖም ዝገልፅ ኮፒ ከቕርቡ ዝኽእሉ፡፡

• ናይ ወርሓዊ ቫት ሪፖርት ዘእወጅሉ ኮፒ ከቕርቡ ዝኽእሉ፡

3) ትካል ማሕበር ኣክስዮን ማይክሮ ፋይናንስ ኣደዳይ ካብ ዘዳለዎ ሰነድ ጨረታ ወፃኢ ብናይ ባዕሉ ሰነድ መሊኡ ምቕራብ ኣይከኣልን፣

4) ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ካብ ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ኣክስዮን ማይክሮ ፋይናንስ ኣደዳይ 400.00 (አርባዕተ ሚኢቲ ቅርሺ) እናኸፈልኩም ምግዛእ ትኽእሉ፣

5) ተጫረቲ ትካልና ብዘቅመጦ ዝርዝር መግለፂ/Specification/መሰረት ናይ ዋጋ ዝርዝር መግለፂ ጨረታ ብሽምዒ ብዝተኣሸገ ኢንቨሎፕ/ፖስታ/ ካብ ዕለት 19/05/2026 ኣፈ (ጉንቦት 11/2018 ዓ.ም) ክሳብ ዕለት 29/5/2026 ኣፈ (ጉንቦት 21/2018 ዓ.ም) ድሕሪ ስዓት 8፡30 ናብ ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ኣክስዮን ማይክሮ ፋይናንስ ኣደዳይ ነዚ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳንዱቕ አታዊ ምግባር ትኽእሉ ፡፡ ናይ ጨረታ መኽፈቲ ዕለት 29/5/2026 ኣ.ፈ (ጉንቦት 21/2018 ዓ.ም) ሰዓት 9፡00 ቦታ ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ኣክስዮን ማይክሮ ፋይናንስ ኣደዳይ ይኸውን ፡

6) ንሕድ ሕድ ተጫረቲ መኸበሪ ጨረታ 20,000.00/ ዕስራ ሽሕ ብር/ ብጥረ ገንዝብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ CPO ኣብ እዋን መኸፈቲ ጨረታ ከትሕዝ ዝኽእል፣

7) ንሕድ ሕድ ንብረት ዝምላእ ዋጋ ብመሰረት ምስ እዙይ ጨረታ ሰነድ ቀሪቡ ዘሎ ዝርዝር መግለፂ (ስፐስፊኬሽን) ከምኡ እውን ብሳምፕል ዝተበሃሉ ንብረታት ብኣካል ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት መፂእኹም ብምርኣይ ክኸውን ይግባእ፡፡

8) ዘሸነፈ ተጫራታይ ካብ ዝግለፀሉ እዋን ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 5 መዓልቲ ናይ ዝሰዓሮ ዋጋ 10 ሚኢታዊ መኸበሪ ውዕሊ ብጥረ ገንዘብ ብምትሓዝ ውዕሊ ክኣስር ዝኽእል፣

9) ሰዓራይ ዝኾነ ትካል ዝሰዓሮም ንብረታት ናይ ትራንስፖርትን ካልኦት ወፃእን ባዕሉ ይሽፍን

10) ትካልና ማ/ኣ/ማ/ፋይናንስ ኣደዳይ ዝሓሸ ኣማራፂ እንተረኺቡ ነዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉው እዩ::

11) አድራሻ ብስልኪ ቁፅሪ 251 0342417757 ምድዋል ይኽእሉ ፡

ድሕሪት
ጨረታ መደብ
s